‘ሱዳን፣ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ተጨውዮም፣ 60 ሽሕ ዶላር ክኸፍሉ ክሕተቱ ዝጸንሑ 18 ኤርትራውያን ሓራ ወጺኦም’

Radio Erena: 31 October 2022

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፣ ደቡብ ቶከር፣ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ተጨውይም ዝጸንሑ 18 ኤርትራውያን ሓራ ከምዘውጽኡ መርበብ ዜና ኣል ሱዳኒ ሓቢሩ።

እቶም ጨወይቲ፣ ብ28 ጥቅምቲ፣ ምስቶም ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ድሕሪ ዘካይድዎ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ፣ ነቶም ኤርትራውያን ኣእጋሮም ብሰንሰለት ተሓይሩ፣ ገዲፎምዎም ከምዝሃደሙ እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።

እቶም ዶላባይ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ን22 መዓልታት ተጨውዮም ዝጸንሑ ኤርትራውያን፣ ንኽፈትሕዎም፣ ካብ ስድራቤታቶም 60 ሽሕ ዶላር ክሕወለሎም፣ እቶም ጉጅለ ዘይሕጋውያን ኣሰጋግርቲ ክጠልቡ ጸኒሖም።

ሓበሬታ ዝበጽሖ፣ ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሩ ዝርከብ፣ ብርጌድ 46 ካብ ሰራዊት ሱዳን፣ ነቶም ዝተጨውዩ ኤርትራውያን ሓራ ናይ ምውጻእ ስርሒት ከምዘካየደ ኣፍሊጡ።

እቲ ሰራዊት፣ ነቶም ኤርትራውያን ሓራ ምስ ኣውጽኦም፣ ኣብ ፖርት ሱዳን ናብ ዝርከብ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካርቱም ከምዝሓበረ ኣመልኪቱ።

እቲ ስርሒት፣ ብትእዛዝ ኣዛዚ ብርጌድ 46 ብርጋዴር ጀነራል ሓፊዝ ኣል ኣሚን ኤልያስን፣ ኣዛዚ ኣብ ዞባ አይሕ ባሕሪ ናይ እትርከብ ሳንካት ክፍለሰራዊት 12ን ከምዝተወሃሃደ መርበብ ሓበሬታ ኣል ሱዳኒ ኣብ መወዳእታ ኣብ ጸብጻባ ኣስፊራ።

ቶከር፣ ንሰሜናዊ ጫፍ ኤርትራ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ዶባት ንዝርከብ ከባቢታት ቅሮራን ራስ ቄሳርን ቅርበት ዘለዎ፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝተደኮነ፣ ኣጻምእ ዝበዝሖ ሓውሲ ከተማ ሱዳን’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0