ኣባል ሚኒስትሪ ዜና ፕሮግራም ኣምሓርኛ ጋዜጠኛ በረኸት ኣብርሃም ብኽሲ ስግረ ዶብ ንኻልኣይ ግዜኡ ተኣሲሩ

ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኣባል ክፍሊ ኣገልግሎታት ወጻኢ፣ ፕሮግራም ኣምሓርኛ ጋዜጠኛ በረኸት ኣብርሃም፣ ብክሲ ስግረ ዶብ ንኻልኣይ ግዜኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝኣተወ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

 

ጋዜጠኛ በረኸት ኣብርሃም፣ ኣቐዲሙ ስግረ ዶብ ሓሲብካ ተባሂሉ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ድማ ናብ ከባቢ መንደፈራ ኣብ ዝተንቀሳቐሰሉ ስግረ ዶብ ፈቲንካ ተባሂሉ ዳግማይ ከምእተታሕዘ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ብተመሳሳሊ ዝተጠርጠሩ ሓያሎ ካልኦት ኤርትራውያን’ውን ምስ ጋዜጠኛ በረኸት ኣብርሃም ኣብ መንደፈራ ከምእተታሕዙ እቲ ካብታ ከተማ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ንተቓወምቲ ኢትዮጵያ ዘገልግል ፕሮግራም ኣምሓርኛ፣ ዝበዝሑ ካብ ኣባላቱ በብእዋኑ ናብ ጎረባብቲ ክሃድሙ እንከለዉ፣ ከም ጋዜጠኛ እዮብ ከሰተ፣ ዳኒኤል ክብሮምን ሕጂ ድማ በረኸት ኣብርሃም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም’ዮም።

ኣብ ናይ ፕሮግራም ኦሮሞ ዝነበረ ዳኒኤል ክብሮም፣ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመታት ማእሰርቲ ብዋሕስ ክፍታሕ እንከሎ፣ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመታት ማእሰርቲ ብዋሕስ ዝተፈትሐ እዮብ ከሰተ ናብ ኢትዮጵያ ክትሰግር ፈቲንካ ተባሂሉ ድግማይ ተታሒዙ፣ ዛጊት ሃለዋቱ ኣይፍለጥን።

ጋዜጠኛ በረኸት ኣብርሃም’ውን ብተመሳሳሊ ክሲ ንኻልኣይ ግዜኡ ይተሓዝ ብምህላዉ፣ ዕጫ እዮብ ከሰተ ክበጽሖ’ዩ ዝብል ስግኣት ብዙሓት ፈተውቱ ኣሎ።

ንተቓወምቲ ኢትዮጵያ ከገልግል ተባሂሉ ብኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ዝቖመ ፕሮግራማት ኣምሓርኛን ኦሮሞን፣ ብህድማ ኣባላት ካብቲ ኣዝዩ ተዳኺሙ ዘሎ ክፍልታት ሚኒስትሪ ዜና’ዩ።

ኣቐዲሞም ካብቲ ክፍሊ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ካብ ዝሃደሙ ኣብ ቴሌቪዥንን ሬድዮን መደባት ዘቕርቡ ዝነበረኡ ጋዜጠኛታት ፕሮግራም ኣምሓርኛን ኦሮሞን፣ ኣበባ ዮሴፍ፣ ሃና ተኽለ፣ ሰናይ ግብረመድህን፣ ብጹእኣምላክ፣ ገብረ መድህን፣ን ካልኦት ምጥቓስ ይከኣል።

ኣባል እቲ ክፍሊ ዝነበረ ጋዜጠኛ ጳውሎስ ኪዳነ’ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ናብ ስደት እናምረሐ ብሓደጋ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ኣይርሳዕን።

ከም ኩሉ ጽላታት ኤርትራ፣ ሚኒስትሪ ዜና’ውን ብህድማ ምኩራት ጋዜጠኛታት ብኸቢድ ተሃስዩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ኣስታት 15 ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ከምእተሰዱ ጸብጻብ ሬድዮ ኤረና የመልክት።

ኤርትራ እታ ዝበዝሑ ጋዜጣኛታት ዝተኣስሩላ ሃገር ኮይና፣ መንግስቲ ኤርትራ በብእዋኑ ኣብ ቀይዲ ካብ ዘእተዎም ልዕሊ 40 ጋዜጠኛታት፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኢሳቕ ኣብርሃም ምሉእ-ብርሃን ወልደገብርኤልን ዝርከብዎም ሒደት ጥራይ ከምዝፈትሐ’ዩ ዝግለጽ።

ጋዜጠኛ ሬድዮን ቴሌቭዥንን ኢሳቕ ኣብርሃም ከምኡ ድማ ጋዜጠኛ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ምሉእ-ብርሃን ወልደገብርኤል፣ ጋዜጠኛን ገጣምን ግርማይ ኣብርሃም፣ ገጣማይ መለስ ንጉሰ፣ ገጣሚት ይርግኣለም ፍስሃ፣ ጋዜጠኛን ስነ ጥበባውን በረኸት ምስግና ዝርከብዎም ልዕሊ 15 ጋዜጠኛታት ኣብ 2006 ከምኡ ድማ ኣብ 2008 ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ኣይርሳዕን።

ብዘይካ’ዚ’ውን ካብ 2001 ኣትሒዞም ክሳብ እዚ እዋን እዚ ዝኾነ ደያይ ዘይብሎም 11 ጋዜጠኛታት ኣብ ኤርትራ ኣብ ቀይዲ ከምዝርከቡ ዝፍለጥ ኮይኑ ሓያሎ ካብኣቶም ሰኣን ግቡእ ኣተሓሕዛ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ይንገረ።
========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0