መጓዓዝያ ካብን ናብን ኣስመራን ካልኦት ከተማታት ኤርትራን እናበኣሰ መጺኡ

ካብ ኣስመራ ናብ ካልኦት ከተማታት ዝገይሽ ህዝቢ፣ ብሰንኪ ዋሕዲ መጓዓዝያ ሪጋ ንምሓዝ ኣብ ፈቐዶ እንዳውቶቡሳት ይሓድር ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

 

ብህግደፍ ብዝውነን ኩባንያ ሓራት ተባሒቱ ዝርከብ ካብን ናብን ኣስመራን ካልኦት ከተማታት ኤርትራን ዝካየድ መጓዓዝያ፣ እኹል ኣብ ርእሲ ዘይምዃኑ ብሰንኪ መቀያየሪ ኣቑሑን ነዳድን’ውን ኣገልግሎታት ምስ ዘቛርጻ ህዝቢ ካልእ ኣማሪጺ ክረክብ ከምዘይክኣለ’ዩ ዘማርር።

ካብን ናብን ኣስመራ-ከረን ናይ ክልተ ሰዓት ፈረቃን ጉዕዞ ክነሱ፣ ህዝቢ መጓዓዝያ ንምርካብ ክሳብ 24 ሰዓታት ኣብ ሪጋ ዝውዕለሉ እዋናት ከምዘሎ ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና፣ ሓደ ካብ ጠንቕታት ናይዚ ድማ መንግስቲ ነተን ናይ ብሕቲ ኣውቶቡሳት ካብ ኣገልግሎት እናኣለየን ስለዝመጸ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0