ኣባል ሃገራት ኢጋድ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዳንን ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪ ብዝምልከት ዘትየን

ኣባል ሃገራት ኢጋድ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዳንን ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪ ብዝምልከት ዘትየን

Radio Erena: 13 September 2018

beshir and issኣባል ሃገራት ኢጋድ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዳንን ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪ ብዝምልከት ዘትየን።

ኢጋድ መበል 33 ስሩዕ ዋዕላኡ ኣብ ዘካዪደሉ ዘሎ እዋን፣ ብደረጃ ሚኒስተራት ዝተጋበአ ዋዕላ ኮይኑ፣ ኢትዮጵያ ብዘቕረበቶ ጠለብ መሰረት ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ሱዳንን ዘተ ከምዝተኻየደን ዝምድነአን ናብ ንቡር ዝምለሰሉ መንገዲ ንምንዳይ ዝዓለመ ምንባሩን፣ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ስትራተጂያዊ ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን ክብእስን ክመሓየሽን ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ 2014 ሱዳንን ኢትዮጵያን ሓባራዊ ናይ ምክልኻል ሰራዊት ከቑማ ምስ ተሰማምዓ፣ ናብ ዝኸፈአ ጠርዙ ክበጽሕ’ዩ ተራእዩ።

 

ብተወሳኺ ትማሊ ረቡዕ 12 መስከረም ኣብ ውዕሎኡ ኢጋድ፣ ኣብ መንጎ መንግስትን ተቓወምትን ደቡብ ሱዳን ስምምዕ ሰላም ከምዝተፈረመ ገሊጹ።

እዚ ብኣላይነት ኢጋድ ክኸይድ ዝጸንሐ ዘተ ሰላም፣ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪርን ተቓዋሚኡ ሪክ ማቻርን ኣብ ዝተረኽቡሉ፣ ወከልቲ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ስምምዕ ሰላም ፈሪሞምሉ።

ገለ ካብቲ ስምምዕ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ን36 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ዝብል ይርከቦ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ኢጋድ ኣቦ ወንበርነት ተረኪቡ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ነዚ ተፈሪሙ ዘሎ ስምምዓት ክልቲኦም ወገናት ከኽብርዎ ከምዘለዎም መተሓሳሰቢ ኣቕሪቡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0