ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ንክልተ ኤርትራውያን ቀዪዶም

ኣባላት ጸጥታ ሱዳን፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምሽራፍ ናይ ወጻኢ ባጤራ ተዋፊሮም ንዝበልዎም ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ካርቱም ሓቢሮም።

    እቶም ኣብ ዘይሕጋዊ ምሽራፍ ናይ ወጻኢ ባጤራ ተዋፊሮም ጸኒሖም ተባሂሎም ብጥርጣረ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ስዒድ ነባይን ዓዚዝን ብዝብል ስም ዝፍለጡ ክልተ ኤርትራውያን ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካርቱም ጥቡቕ ቅርበት ዝነበሮም ምዃኑ’ውን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

    ብዘይካ’ዚ ኣባላት ጸጥታን ስለያን ሱዳን ብተመሳሳሊ ክሲ ዝጠርጠሮም ኣስታት 20 ዝኾኑ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ’ውን ይሕበር ኣሎ።
ሱዳን ትሪቡን ኣቕሪብዎ ብዘሎ ሓበሬታ’ውን ኣባላት ጸጥታን ስለያን ሱዳን፣ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ብጸሊም ዕዳጋ ከሽርፉ ጸኒሖም ንዝበልዎም ልዕሊ 10 ዝኾኑ ሰባት ብሰምበት 24 ለካቲት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

    መብዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣብ ከቢድ መዋጥር ዝርከብ መንግስቲ ሱዳን ኣቐዲሙ’ውን ናብ ኤርትራ ዝገሹ ሱዳናውያን በጻሕቲ ሃገራት፣ ሒዞሞ ዝኸዱ ናይ ዶላርን ኤሮን ገንዘብ ካብ ሓደ ሽሕ ከይሓልፍ ዝኽልክል ኣዋጅ ከምዘውጽአ ኣይርሳዕን።
ብዘይካ’ዚ’ውን ዘይሕጋውያን ነጋዶ፣ ነዳድን ካልእ ሃለኽቲ ነገራትን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ እናእተዉ ንቁጠባ ሱዳን ይሃስዩ ኣለዉ ክብል መንግስቲ ሱዳን የማርር ምህላዉ ይፍለጥ።

    ኣብ ሱዳን ኣብዚ እዋን’ዚ ሓደ ዶላር ኣብ ባንክን ሕጋዊ ናይ ሸርፊ ትካላትን 4.4 ፓውንድ ሱዳን ክሽረፍ እንከሎ፣ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ግና ንሓደ ዶላር ካብ 7.7 ክሳብ 10 ፓውንድ ሱዳን ይሽረፍ ምህላዉ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።

    መንግስቲ ሱዳን፣ ብዙሕ ክፋል ናይ ወጻኢ ሸርፊ እታ ሃገር ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ኤርትራ ይግዕዝ ኣሎ ዝብል ስግኣት ከምዘለዎ በብእዋኑ ብሬድዮ ኤረና ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0