እስራኤል፣ ሓደ ሽሕ ሱዳናውያን ብምስጢር ናብ ሱዳን መሊሳቶም

እስራኤል፣ ኣብታ ሃገር ዑቕባ ክሓቱ ዝጸንሑ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሱዳናውያን ብምስጢር ናብ ሱዳን ከምዝመለሰቶም ይግለጽ ኣሎ።

    ጋዜጣ እስራኤል ነቶም ሱዳናውያን ናብ ዓዶም ዝመለሰቶም ብዘይኣፍልጦ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት -UNHCR ምዃኑ ነቲ ሓበሬታ ዘቃልዐ ማዕከን ዜና ሃረዝ ኣፍሊጡ።

    መንግስቲ እስራኤል ምስ መንግስቲ ሱዳን ዝኾነ ዓይነት ዝምድና ዘይብሉ ብምዃኑ፣ ኣብ እስራኤል ፖለቲካዊ ዑቕባ ክሓቱ ዝጸንሑ ሱዳናውያን ናብ ሃገሮም ንኽመልሶም ሳልሰይቲ ሃገር ከምእተጠቕመ ይጠቐስ።

    እንተኾነ እስራኤል ነቶም ሱዳናውያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝተጠቕመላ ሳልሰይቲ ሃገር ብምስጢር ክትሓዝ ብምውሳኑ፣ ማዕከን ዜና ሃርዝ’ውን ነቲ ሓበሬታ ክዕቕቦ ከምዝወሰነ የመልክት።

    እስራኤል ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ምስጢራዊ ዝርርባት የካይዱ ብምህላዎም፣ እስራኤል ነቶም ሱዳናውያን ናብ ዓዶም ንምምላስ ዝተጠቕመትላ ሃገር ኤርትራ ክትከውን ከምእትኽእል ሓያሎ ወገናት ይእምቱ።

    ንደቡብ ሱዳን ከም ኣማራጺ ዘቕረብዋ ተንተንቲ’ውን፣ እስራኤል ነቶም ሱዳናውያን ንምምላስ ኣየነይቲ ሃገር ተጠቒማ ዝብል ዘይኮነ፣ ብዘይ ኣፍልጦ UNHCR ምፍጻማ ግና ኣህጉራዊ ሕግታት ዝጥሕስ ምዃኑ ይሰማምዕሉ።
መንግስቲ እስራኤል ነቶም በብእዋኑ ናብ ዓዶም ዝመለሶም ኣስታት ሓደ ሽሕ ሱዳናውያን፣ ብድሌቶም ምዃኑ’ዩ ዝጠቕስ።

    እንተኾነ ብዘይኣፍልጦ UNHCR ስለዝኾነ እቲ ሰበ ስልጣን እስራኤል ዝህብዎ ዘለዉ መግለጺ ሓቅነቱ ክረጋገጽ ኣይከኣለን።

    እስራኤል፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ልዕሊ 10 ሽሕ ኤርትራውያን ሱዳናውያንን ነናብ ዓዶም ንምጥራዝ ትሰርሕ ምህላዋ ብተደጋጋሚ ትሕብር ምህላዋ ዝፍለጥ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0