ብምስግጋር ገንዘብ ዝተጠርጠሩ ሰለስተ ውልቀ ሰባት ተኣሲሮም

ብጉዳይ ምስቶም ኣብ ሲናይ ተጨውዮም ዘለዉ ኤርትራውያን ምስግጋር ገንዘብ ዝተጠርጠሩ ሰለስተ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተፈሊጡ።
    እቶም ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ጓለንስተይትን ኣብ ቀይዲ ቅድሚ ምእታዎም ፖሊስ ሽወደን ንነዊሕ እዋናት ክከታተሎም ከምዝጸንሐ፣ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ ሽወደን ሓቢራ።

    ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ሽወደን ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ንእስራኤል ንምስጋር ዝፍትኑ ኤርትራውያን ኣብ ሲናይ ብበዳውያን ምስተጨውዩ፣ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ንዝርከቡ ቤተሰቦም ኣምሳያ ገንዘብ ከምዝሓቱ፣ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ኤርትራውያን’ውን ግዳያት ናይዚ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ከምዝኾኑን ኣፍሊጡ።

    እዚ ዓይነት ተርእዮ ብፍላይ ኣብ ሽወደንን ኖርወይን ብብዝሒ ዘጋጥም’ኳ እንተኾነ፣ እቶም ኤርትራውያን ስድራቤታት ንፖሊስ ስለዘይሕብሩ ክብደት ናይቲ ገበን ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ምዃኑ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ብተወሳኺ ኣመልኪቱ።

    ሓደ ካብቶም ኣብ ሲናይ ተጨውዮም ዝነበሩ ኤርትራውያን ስለዝተቐትለ፣ እዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ክሱሳት፣ ተኸሲሶምሉ ዘለዉ ጉዳይ ምስግጋር ገንዘብ ጥራይ ከምዘይከውን ይግለጽ።

    ተቖጻጻሪ ጉጅለ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ምስግጋር ደቂ ሰብ ኢድ ከምዘለዎም የመልክት።

    ከምዞም ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰለስተ ጥርጡራት፣ ዝሓለፈ ዓመት ብተመሳሳሊ ጉዳይ ዝተኸሱ ሸውዓተ ስድራቤታት ካብታ ሃገር ከምዝጥረዙ ከምዝተገብረ ጸብጻባት የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0