ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ሓያሎ ነበርቲ ዓዲ ቀይሕ ቀይዶም

ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ሓያሎ ነበርቲ ዓዲ ቀይሕ ቀይዶም

Radio Erena : 06 March 2015

Houses Destroyed

ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ሓያሎ ነበርቲ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ኣብ ቀይዲ የእትዎም።

ኣቐዲሞም’ውን ነቲ ኣብታ ከተማ ብዶዞራት ዝካየድ ዝነበረ መንበሪ ኣባይቲ ናይ ምፍራስ መስርሕ ህዝቢ ዘካየዶ ተቓውሞም ብናይ ሞባልይ ካሜራ ስኢልኩም ዝተባህለ ክልተ ተማሃሮ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተወሲዶም ምህላዎም ተሓቢሩ’ዩ።

 እታ ከተማ ሕጂ’ውን ኣብ ከቢድ ወጥሪ ምህላዋ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

መንግስቲ ኤርትራ ትማሊ ፖሊስን ኣባላት ሰራዊት ዝተሰነያ ዶዞራት ብምውፋር ኣብ ዓዲ ቀይሕ ከባቢ ቤተ ክርስትያን እንዳኣምነተኽለ 20 መንበሪ ኣባይቲ ከፍርስ እንከሎ፣ መንበሪ ኣባይቶም ዝፈረሶም ቆልዓ ሰበይቲ ድሕሪ ዘካየድዎ ተሪር ተቓውሞ ኣንጻሮም ኣብ ዝተኸፍተ ቶኽሲ ሓያሎ ከምዝተጎድኡ ምህላዎም ተገሊጹ’ዩ።

 =====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0