ደምበ ተቓውሞ ኣብ ሽኩሹኳ

ደምበ ተቓውሞ ኣብ ሽኩሹኳ

Radio Erena: 06 March 2015

car1

     ሕንቅልሕንቅሊተይ…?

     ዝበዝሐ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ወይ ውድባት ዘለዋ ሃገር ፍለጡለይ?

     ኣብ ብዝሒ ህዝቢ ተሞርኪስኩም ግምታት ክትህቡ ምስትፍትኑ ናብ ውጹእ ጌጋ ከምርሓኩም ምዃኑ ኣንፈት እንተሃብኩኹም ኸ?

     እታ ኣስታት ሓደ ሲሶ ካብ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ወኒና ዘላ ቻይና ሓደ ሰልፋዊ ስርዓት’ያ ትኽተል። ኣብ ውሽጢ ቻይና ብወግዒ ዝፍቀድ ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካዊ ተቓዋሚ ሰልፊ የሎን።

 

     ቻይና ቅድሚ’ቲ ናይ 1949 ሰውራኣ ብውሕዱ ሓሙሽተ ዓበይቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ከምዝነበርኣ ይዝረብ’ዩ። ነዚ ዝሓለፈ 60 ዓመታት ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ግና ደሳዊ ሰልፊ’ዩ። ኣብ ህዝባዊት ሪፖብሊክ ቻይና እዚ ሰልፊ’ዚ ጥራይ ከም ሕጋዊ ሰልፊ ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣብ ግዝኣታት ቻይና ዝኾና ታይዋንን ሆንግኮንግን ግና ተቓወምቲ ኢና ዝብሉ ሰልፍታትን ውድባትን ኣለዉ። እንተኾነ ኣብ ቻይና ኣብ ዝካየድ ምርጫ ወከልቲ ህዝቢ ዝሳተፍን ዝወዳደርን ካብቲ ሕጋዊ ተባሂሉ ዝግለጽ ዴሳዊ ሰልፊ ጥራይ’ዩም። ፕረዚደንት ዝርከቦም መራሕቲ ቻይና’ውን ብዴሳውያን ጥራይ ካብ ዝተባሕተ ባይቶ’ዮም ዝምረጹ። ስለዚ’ምበኣር እታ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ቻይና ሓደ ሕጋዊ ሰልፊ ጥራይ’ዩ ዘለዋ። ንዓመታት ዝዓብለለ ሰልፊ።

     ቻይናውያን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ተኣኻኺቦም ዘቖምወን ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ከኣ’ባ ኣለዋ። ብዝሐን ከ ክንደይ ይኸውን? ንሳተን’ውን ምስ ብዝሒ ህዝቢ ቻይና ብምንጽጻር ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ሰልፍታትን ውድባትን እንተዘይውሒደን ዝበዝሓ ኣይኮናን።

     እሞ እታ ዝበዝሐ ተቓወምቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ውድባትን ዘለዋ ሃገር ደኣ መን ትኹን?

     ባህላዊ መግብታት ህንድን ኤርትራን ኣብ ጣዕሚ ስለዝተመሳሰለኒ፣ ብዙሕ እዋን ደኣ ኣይኹን እምበር ኣብ ፓሪስ ናብ ዝርከባ ኣብያተ መግቢ ህንዲ ይመላለስ’የ። ህንዳውያን ብብዝሒ ንግዳዊ ትካላት ኣብ ዝኸፈትሉ ክፋል ሰሜን ፓሪስ፣ ጁረስ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ከም ዓሚል ዘዘውተርክዋ ናይ ህንዲ ቤት መግቢ ታጅ-ማሃል ኣላ።

     ቤት መግቢ ታጅ-ማሃል ብባህላዊ ብዝሑነት ህንድን ታሪኽ ታጅ ማሃልን ንዝምሰጡ ክትስሕብ ብምሕሳብ ዝተዋህባ ስም ደኣ’ምበር፣ ክንዲ ዓይኒ ምድሪ ታጅ ማሃል ዝኸውን ጥበብን ጽባቐ’ውን የብላን።

     ኣብቲ ቤት መግቢ ብዝሒ ዓማዊል ኣብ ዘይህልውሉ እዋን፣ ወናኒ እቲ ቤት መግቢ ኣብ ዝተቀመጥናሉ ጠረጴዛ እናተመላለሰ ዕላላት ንለዋወጥ ኢና።

     ጽቡቕ ምልከት ቋንቋ ፈረንሳ ከምዘይብለይ ምስተዓዘብ “ካበይ ዓዲ መጺእካ?” ክብል’ዩ ሓቲቱኒ።

     ዕላል መታን ከናውሓሉ ብምሕሳብ ‘ገምት’ ጥራይ’የ ኢለዮ።

     ዕላልና ብቋንቋ እንግሊዝ’ዩ።

     ግምታቱ ሓንሳእ ናብ ሃገራት ላቲን ሓንሳእ ከኣ ናብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዘቢሉ።

     ብዛዕባ ታሪኽ ኤርትራ መጽሓፍ ዘዳለወት ሚኬላ ሮንግ፣ ኣብ መዓርፎ ነፍርቲ ግብጺ ዝተላለየቶ ፓኪስታናዊ ነጋዳይ፣ ንኤርትራ ምስ ኣልጀርያን ኣልጀዚራን ከላኽዓ እንከሎ ተዘከረኒ።

     ብዓይኒ’ዚ ህንዳውን ካልኦት ብዙሓት ዝገጠሙኒ ዓሌታት ናይዛ ምድርን፣ ንሓደ ሰብ ኣፍሪቃዊ ዝብል ግምት ክህብዎ ዶኽ ዝበለ ጽልምን ኣብ ርእሱ ተሳሒጉ ዝተተቆጻጸረ ጸጉርን ክህልዎ ኣለዎ። እዚ ክልቲኡ ኣባይ ስለዘይረኸቦ ካብ ኣፍሪቃ ከውጽኣኒ’ዩ መሪጹ ህንዳዊ ወናኒ ቤት መግቢ ታጅ ማሃል።

car 2

     ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ኤርትራ ትብሃል ሃገር ምህላዋን ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ገለ ክፋል ህዝባ ከኣ ምስ መበቆል ዓረብ ምትእስሳር ዘለዎም ሰመቲካውያን ምዃኖምን ከረድኦ እናፈተንኩ’የ። ብዙሕ ዝተረድኦ ኣይመስልን። ኣፍሪቃዊ ምዃነይ ንዝሃብክዎ ሓበሬታ’ውን እናተጠራጠረ’ዩ ተቐቢልዎ።

     ኢትዮጵያ ጽቡቕ ሕማቕን ዝተሓዋወሶ ናይ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዋ ሃገር ምዃና፣ ‘ኢትዮጵያ’ ዝብል ስም ንብዙሓት ህዝብታት ዓለም ሓዲሽ ኣይኮነን። ብዙሕ እዋን ኤርትራ ትብሃል ሃገር ዘይፈልጥ ሰብ እንተገጢሙኒ ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ኢትዮጵያ ብምጥቃስ’የ ኤርትራ ንእትርከበሉ ዞባ ከረድእ ዝፍትን። ነዚ ህንዳዊ ወናኒ ቤት መግቢ ግን፣ ኣብ ካርታ ደልዩ ባዕሉ ይርከባ ግዲ ኢለ፣ ምብራቕ ኣፍሪቃ ጥራይ’የ ጠቒሰሉ።

     ደጊሙ ካልእ ሕቶ ከየስዓበ እንከሎ፣ ከበግሰሉ ንዝደለኹ ሕቶ ኣብ ኤርትራ ህንዳዊ መምህር ከምዝነበረኒ ብምሕባር’የ መረሳሰኒ ጌረላ።

     ህንዳውያን መማህራን ኣብ ምሉእ ዓለም ከምዘለዉ እናመላኸተ ከኣ ዋላ’ውን ኣብተን ከም በዓል ሰርቦን ናይ ፓሪስ ዝኣመሰላ ዓበይቲ ዩኒቨርሲታት፣ ዝበለጹ መማህራነን ህንዳውያን ምዃኖም ታህዲድ ጀሚሩ። ብዜጋታትካ ምኹራዕ ሓበን’ዩ’ሞ ወናኒ ቤት መግቢ ታጅ ማሃል’ውን ኩርዓቱ ሰማይ ዓረገ።

     ዋሕዲ መማህራን ዘጋጠመን ሃገራት፣ ቀዳማይቲ ጠመተአን ህንዲ ምዃና ኤርትራ ሓንቲ ናይ ቀረባ ኣብነት’ያ። ኣብ ህንዲ ዝርከብ ኣምባሳደር ኤርትራ’ውን ኣውራ ስርሑ ሸመተ ዓደስን መማህራንን’ዩ።

     ህንዳውያን ኣብ ኣርባዕተ ዘይቀራረቡ ቀቢላታት ዶ ንበሎ ወላ እንድዒሉ- ንሳቶም እኳ ካስት’ዮም ዝብልዎ ዝተጎጃጀሉ’ዮም። እዚ ምጉጅጃሎም እዚ ኸኣ ናብ ዝተሰድሉ ዓዲ ሒዞም’ዮም ዝስደዱ። ዕርክነት ንምምስራት ንሓደ ህንዳዊ፣ ህንዳዊ ጥራይ ምዃን እኹል ኣይኮነን። ካበየናይ ዓሌት ወይ ቀቢላ ወይ ካስት ምዃኑ ከረጋግጽ የድልዮ። ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ፣ ብሰንኪ እዚ ናይ ካስት ጸገም፣ ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ኮፍ ኣይንብል ዝበሉ መማህራን ይፈልጥ’የ። እዚኣ ነጥቢ’ዚኣ ኸኣ’ያ ኣብ ፓሪስ ናብ እትርከብ ቤት መግቢ ህንዲ ንዕላል ከውርዳ ክስሕላ ዝጸናሕኩ።

     ወናኒ ቤት መግቢ ታጅ ማሃል ከምዚ ዓይነት ተርእዮታት ኣብዚ እዋን እናጎደለ ይመጽእ ከምዘሎን ሎሚ ንቕሓት ህዝቢ ሓይሉ፣ ተሳታፍነቱ ኣብ ፖለቲካ ዓብዩ፣ ጉዳያቱ ብጥርኑፍ ዝሓተሉን ዝማጎተሉን እንተኽኢሉ ድማ ናብ ስልጣን ዝመጸሉን ፖለቲካውያን ውድባትን ሰልፍታት ኣብዚሑ ከምዘሎ መዓት ዱስኩር ሃበኒ።

     ሃንደበት ኣብ እዝነይ ሓንቲ ሕቶ ቃጨለት። ተደጋጋሚ እዋን ኣብ ርእሰይ ዝጸንሐ ሕቶ ኸኣ’ያ።

     “ኣብ ህንዲ ኣብዚ እዋን’ዚ ክንደይ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ወይ ውድባት ኣለዋ?”

     መታእታእ ድሕሪ ምባል ካብ 20 ከምዝበዝሓ ጥራይ’ዩ ክነግረኒ ክኢሉ። ብዝሒ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ወይ ውድባት ሃገሩ ብልክዕ ክፈልጥ ኣይከኣለን። ሓቁ ድማ ኣብዛ ካብ ህዝቢ ቻይና ቁሩብ ጥራይ ዝጎድል ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ህንዲ ክህልዋ ንዝኽእላ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ውድባትን ከመይ ክፈልጦ ይኽእል?

     ሕሰብዎ እንዶ? ኣብዛ ቁንጣሮ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኤርትራ፣ ኣብ ስደት ዝርከባ ብዝሒ ተቓወምቲ ሰልፍታትን ውድባትን ክንደይ ምዃነን ዶ ንፈልጥ ኢና።

    ብዝሒ ተቓወምቲ ሰልፍታት ወይ ውድባት ናይ ኤርትራ ክንደይ’የን? ኢልኩም እንዶ ጥቃኹም ንዘሎ ኤርትራዊ ሕተቱ? ብግምት 10፣ 20 ወይ 30 ጥራይ’ዩ ክብለኩም። ወይ ከኣ ከምዚ ካብ ጌጋ ንምህዳም ኣብ ሜድያ እንጥቀመሉ ኣስታት 30 ወይ ከኣ 10ታት ጥራይ ኢሉ ክሓልፎ’ዩ።

     ህንዲ ምስ ብዝሒ ህዝባ ክንደይ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ወይ ውድባት ይህልዋ? ካብ ኣእምሮይ ክእለ ስለዘይከኣለ ኢንተርነት ምፍታሽ ዝሐሸ ኣማራጺ ወሲደ። ኮሚሽን ምርጫ ህንዲ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣሲፊሩወን ዘሎ ሕጋውያን ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ውድባትን ከኣ 54 ኮይነን ረኺበየን።

car3

     ‘ህንዲ እታ ዝዓበየት ዴሞክራስያዊት ሃገር’ያ’ ክብሃል ሰሚዕና ንህሉ ኢና። እስራኤል ከኣ እታ ዝበለጸ ዴሞክራሲ ዘለዋ ሃገር’ያ ይብሃል’ዩ። እዚ ንዓይ ወሲኽካ ንብዙሕ ሰብ ምድንጋር ዝፈጥረሉ ምዃኑ ኣይስሕቶን። ኮይኑ ግና ከም ኤርትራዊ ናይ ኤርትራ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ንደሞክራሲ እዘን ሃገራት ክሳብ ምቁንጻብ ኣየብጽሓንን።

     ሓደ እዋን ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ደሞክራሲ ህንዲ ዘቆናጽብ ጽሑፍ ኣቕሪባ ምንባራ እዝክር። ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ህንዲ ኮሚሽነር ፖለቲካዊ ጉዳያት ወይ ፖለቲካል ኣታሸ ናብ እንዳዜና ብምምጻእ፣ እቲ ብመንግስቲ ዝውነን ማዕከን ዜና ኣብ ልዕሊ ህንዲ ከምዚ ዓይነት መርገጺ ምውሳዱ መብርሂ ክወሃቦ ሓተተ። ዝምልስ ኣካል ግና ኣይተረኽበን። እቲ እዋን’ቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ደሞክራስን ምርጫን ተሓቲቱ፣ ንደሞክራሲ ህንዲ ብምቁንጻብ ዝመለሰሉ ግዜ’ዩ ዝነበረ።

     ብዝኾነ ህንዲ 54 ወግዓውያን ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ውድባትን ኣለዋ። እዚ ማለት ዘይወግዓውያን ሰልፍታት ኣለዋ’ዩ ዘመልክት። ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ወግዓዊ ወይ ዘይወግዓዊ ዝከውን ስለምንታይ’ዩ። ሕገ- መንግስቲ ወይ ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ንዘውጽእዎ ነጥብታት ዘየማልኣ ማለት’ዩ። ሓደ ካብዚ ንውድባትን ሰልፍታትን ዘይወግዓውያን ወይ ዘይሕጋውያን ዝገብረን መንግስቲ ብጎነጽ ንምእላይ ምስ ዝሰርሓ፣ ምስ ሽበራ ምትእስሳር ምስ ዝህልወን፣ ብናይ ደገ ሓይልታት ምስ ዝምወላን ካልእን ክኸውን ይኽእል።

     እሞ ደኣ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ሃገራት ዝበዝሐ ተቓወምቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ወይ ውድባት ዘለዋ ሃገር መን ትኹን?

     ኢትዮጵያን ሱዳንን ንምርጫ ቅድመ ምድላዋት ኣብ ዝገብራሉ ዘለዋ እዋን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ሓያሎ ተቓወምቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ብልፍትን በብንጽልን ይንቀሳቀሱ ምህላዎም ንሰምዕ ኣሎና። መንግስቲ ናይታ ኣብ ዞባና ዝነኣሰት ሃገር ጅቡቲ እኳ ምስ ተቓወምቲ ሰልፍታት ሓድሽ ስምምዕ ከምዝኸተመ ናይ ናይ ቀረባ ፍጻሜ’ዩ። እንተኾነ እዘን ሃገራት’ውን ኣብ ደገ ዝሰፈሩ ቁጽሮም ዘይፍለጥ ተቓወምቲ ከምዘለውወን ሲ ዝሰሓት ኣይኮነን።

     ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሓደ እዋን፣ ብዛዕባ ተቓወምቲ ዝብሃሉ ተሓቲቱ፣ “ኣበይ ዘለዉ ተቓወምቲ፣ ቁጽሮም ንዑቕ ንሶቶም ንዑቓት” ምባሉ ትዝክሩ – ሃየ! ዘክሩ። ኤርትራ ብዝሒ ተቓወምቲ የብላን ንምባል እንተነይሩ ሎሚ እቲ ብዝሒ ኣሻቡ ሰማይ ዓሪጉ ሕሳብ ምግባር ከድልዮ ኢዩ፣ ክቡር ፕረዚደንተ። ቫቲካን ንባዕላ ‘ኳ ተቓውቲ የብለይን ክትብል ኣይተሰምዐትን።

     ተቓወምቲ ዘይብሉ መንግስቲ ደኣ ከመይ ዝበለ’ዩ? ብግብሪ ኸ ተቓወምቲ ዘይብሉ መንግስቲ ክህሉ ይኽእል ዶ? ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንፖለቲካውያን ሰልፍታት ፍቓድ ስለዘይሃብካ፣ ተቓውሞ የለን ንምባል የድርፍ ድዩ?

     እዘን ካብ ዕለት ናብ ዕለት ዝጫጭሓ ዘለዋ ተቓወምቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ውድባትን ኣብ ኤርትራ ባይታ ስለዝሰኣና ኣብ ወጻኢ ክቖማ ከምዝትገደዳ’ዩ ዝእንፍት ኩሉ ኣባሃህላታት። እዚ ግን ነቲ ከም ኣሜባ ካብ ሓድሕደን እናተገማምዓ ምፍራይ ምኽንያት ክኸውን ኣይክእልን።

     እታ ዝበዝሐ ተቓወምቲ ውድባት ወይ ሰልፍታት ዘለዋ ሃገር መንያ ኢልካ ካብ ምህውታት፣ ኤርትራውያን ንባዕላ ክንደይ ተቓወምቲ ከምዘልዋ ግዳ ዘይተጽንዕ። ቁምነገር ዘይትገብር፣ ዝብሉ ኣይሰኣኑን ይኾኑ። ሓቆም’ዮም። ብዝሒ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ምፍላጥ ቁምነገር እንተኾይኑ ማለት’ዩ።

     ብስም መንእሰያት ኣብ ስደት ዝተበጋገሰ ተቓውሞታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናተፈናጨለን ኣገባብ መፍረ ኣሜባ እናተኸተለን ይበዝሕ ቁምነገሩ ከኣ በንጻሩ ክጎድልን ንርእዮ ኣለና።። ስማት ናይዘን ብስም መንእሰያት ተበጊሰን እናተፈናጨላን ሓድሕደን እናተወናጀላን እናተናኸሳን ታተ ዝብላ ዘለዋ ምንቕስቓሳት ናበይ ገጹ’ዩ?

car 4

     ኣብ ስደት ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ካብ ኣብ ስነ ሓሳብን ፖለቲካን ንላዕሊ ኣብ ውልቀሰባት ዕንክሊል ክብል ግዜ ይሓልፎ ኣሎ። እዝን ወዲ ኸምዚን ምኽንያታት ተዋሂብዎ ኸኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፈርዲ ሓድሽ ውድብ ወይ ሰልፊ ወይ ምንቕስቓስ ክትውለድ ንዕዘብ ኣሎና። ብኸምዚ ኣካይዳ ምናልባት ኤርትራ እታ ዝበዝሑ ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ዘለዋ ሃገር ንምዃን ክትበቕዕ’ያ። ዋላውን እተን ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ኣባላት ሒዘን ሰልፍን ውድብን ኢና ዝብላ እንተጸብጺብና ማለተይ’ዩ።

     ኤርትራ ነዚ ክብሪ’ዚ ክሳብ እትበቕዕ ‘ምበኣር ሃየ! ዝበዝሑ ፖለቲካውያን ተቓወምቲ ሰልፍታትን ውድባትን ዘለዋ ሃገር ፍለጡ።

     ሰለስተ ወርሒ ይገብር ንእግረ መንገደይ ክልተ ተዋሳእቲ ደምበ ተቓውሞ ካብ ሓደ ክብሪ ዘለዎ ሆቴል ማርዮት ናይ ፓሪስ ክወጹ ተዓዚበ። ግደ ሓቂ እዛ ሕቶ እዚ ክሓቶም እሞ ቅኑዕ መልሲ እንተሃቡኒ ኣብ ቤት መግቢ ታጅማሃል ድራር ክጋብዞም ሓሲበ ኔረ። ደምበ ተቓውምኦም ብሕብእብእ ከምዝገብርዎን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ብትምህርትን ዲፕሎማስያን ዝወዳደረና የለን ዝብሉ ምዃኖምን ብዘይምፍላጠይ ንነብሰይ ኣይነቐፍኩዋን። ‘ኤርትራውያን ቻክ ኖስር ኣብ ፓሪስ’ ብዝብዝል ኣርእስቲ ሓደ ጽሑፍ ከዳልወሎም ወሲነ ኔረ። ኣይተበርሃንን ከኣ ገዲፈዮ። ደሓር ከኣ ትዕቢትን ታጅማሃልን መኻይድቲ ከምዘይኮና ንታሪኽ ታጅ ማሃል እትፈልጡ ክትርድኡለይ ተስፋ ግበር።

     ሃየ በሉ! ቅኑዕ ንዝመለስኩም ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ቤት መግቢ ታጅ ማህል ድራር ክጋብዘኩም’የ። ንእግረ መንገድኹም ድማ ምስ ወናኒ ቤት መግቢ ታጅ ማሃል ትላለዩ። ኤርትራ ካብ ትብሃል ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዝመጻእኩ ምዃነይ ከኣ ትምስክሩለይ።

     መልሲ የብልናን ተደረር እንተ ኢልኩሙኒ ግና….በይነይ ናብ ቤት መግቢ ታጅ ማሃል ምምልላስ ክቕጽሎ’የ ማለት’ዩ።

 

Amanuel Ghirmai 

(ዕባይ ኣኽርያ)
03-03-15
ፓሪስ

========================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0