ኣስመራ፣ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ወጻኢ ሃገራት፣ ነፍሲ ወከፎም ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ውህሉል ግብሪ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ክኸፍሉ ይሕተቱ

Radio Erena: 29 July 2021

ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ኤምባሲታት ወጻኢ ሃገራት ውህሉል ግብሪ መንግስቲ ክኸፍሉ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ብመንግስቲ ከምዝተሓተቱ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ክኸፍልዎ ተሓቲቱ ዘሎ ውህሉል ግብሪ፣ ናይ ዝሓለፈ 10 ዓመታትን ልዕሊኡን ኮይኑ፣ ናይ ገለ ካብኣቶም ክሳብ 600 ሽሕ ናቕፋ ከምዝበጽሕ ተመልኪቱ።

ሓያሎ ካብቶም ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ወጻኢ ሃገራት፣ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብግዴታ ክኸፍልዎ ዝሕተቱ ዘለው ውህሉል ዕዳ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ስለዝኾነ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝርከቡ ኣዝማዶምን መቕርቦምን ክሕግዝዎም ይልምኑ ምህላዎም ተፈሊጡ ኣሎ።

ይኹን’ምበር ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኣዝማድን መቕርብን’ውን፣ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣማኢት ኣሽሓት ዝኣከል ገንዘብ ንምኽፋል ኣጸጋሚ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ መንግስቲ ወስድዎ ዘሎ ስጉምቲ ዘይሓላፍነታዊ’ዩ ብምባል ከማርሩ ይስምዑ ምህላዎም እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ጠቒሶም።

መብዛሕትአን ኣብ ኤርትራ ዝርከባ ኤምባሲታት ወጻኢ ሃገራት፣ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታተን ግብሪ መንግስቲ ብመንገዶም ክኸፍሉ ክሕብራ ከምዝጸንሓ ዝፍለጥ’ዩ።

በዚ መሰረት ድማ ሓያሎ ካብዞም ኤርትራውያን፣ በብዓመቱ ግብሪ ክኸፍሉ እኳ እንተጸንሑ፣ መዝገቦም ስለዝተሳእነ፣ ደጊሞም ክኸፍሉ ይሕተቱ ምህላው ክረጋገጽ ክኢሉ።

ካልኦት ድማ፣ ሰራሕተኛታት ኤምባሲታት ወጻኢ ሃገራት ግብሪ ከመይን ክንደይ ከምእትኸፍሉ መምርሒ ኣይተዋህበናን ዝብል ሓበሬታ ክወሃቦም ከምዝጸንሐ’ዮም ዝሕብሩ።

እዚ ኮይኑ ከብቅዕ ግና፣ መንግስቲ ብሃንደበት፣ ንሓደ ሰብ ክሳብ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ናቕፋ ዝግመት ውህሉል ዕዳ ብምስካም፣ ኣብ ሓጺር ግዜ ክኸፈል ኣገዲዱ ይርከብ።

ተሓቲቶሞ ዘለዉ ውህሉል ዕዳ ኣብ ዝተባህሎም ግዜ ክኸፍሉ እንተዘይክኢሎም፣ መንግስቲ ዝወስዶ ስጉምቲ ኣየነጸረን።

ዘይብቁዕ ምሕደራ ከምዘለዎ ዝንገረሉ መንግስቲ ኤርትራ፣ ህዝቢ ከምዚ ዓይነት ውህሉል ዕዳታት እናጸዓነ ክኸፍሉ ከገድድ እዚ ናይ ፈለማ ኣይኮነን።

ኣብዚ ቀረባ’ውን፣ ‘ብሰንኪ ስእነት ቆጸርቲ፣ ንዓመታት ዝተዋህለለ’ዩ’ ዝበሎ ክፍሊት ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክ፣ ግምታዊ ዕዳ ብምስላዕ፣ ንህዝቢ 10ታት ኣሽሓት ናቕፋ ክኸፍል ኣገዲድዎ’ዩ።
====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0