አመሪካ፣ ኩነታት ናይቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘሻቐላ ገሊጻ

Radio Erena: 29 July 2021

ምምሕዳር ባይደን፣ ኩነታት ናይቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ።

ህወሓትን ሚሊሻታት ትግራይን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ምህላዎም ዘእምን ጸብጻብ ከምዝበጽሖም ኣፈኛ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ጁልያን ፖርተር ኣፍሊጣ።

ኣብ ልዕሊ’ዞም ስደተኛታት ዝፍጸም መጥቃዕታት ንመንግስቲ ኣመሪካ ከምዝሻቕሎ ብምጥቃስ ድማ ኣንጻሮም ዝካየድ መጥቃዕታት ደው ክብል ጸዊዓ።

ኣብ ከባቢ መዓስከራት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭታት፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ወርሒ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝተቐትሉ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት-UNHCR ኣቐዲሙ ኣመልኪቱ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ኣብዘን ክልተ መዓስከራት ዝርከቡ ኣስታት 24 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ስእነት መግብን ማይን ኣንጸላልዩዎም ከምዘሎ እቲ ትካል ኣጠንቂቑ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0