ኦሊምፒክ፣ ንተቐዳደምቲ ኤርትራን ኣልጀርያን፣ ‘ሰሓብቲ ገመል’ ክብል ብዓሌታዊ ቃል ዝገለጾም ጀርመናዊ ኣሰልጣኒ ተሰጕጉ

Radio Erena: 30 July 2021

ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድራት ኦሎምፒክ፣ ንተቐዳደምቲ ኤርትራን ኣልጀርያን፣ ‘ሰሓብቲ ገመል’ ክብል ብዓሌታዊ ቃል ዝገለጾም ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ጀርመን፣ ፓትሪክ ሞስተር ተሰጕጉ።

ንሱ ካብ ኦሊምፒክ 2020 ቶክዮን ካብ ስርሑን ጠቕሊሉ ከምዝተሰጎገ ዝሓበረ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ጀርመን፣ ‘ንኽብርታት ኦሎምፒክ’ ዝጠሓሰ’ዩ ክብል ወቒሱ።

እዚ ጀርመናዊ ኣሰልጣኒ፣ ብ28 ሓምለ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ቅድድም ብሽክለታ፣ ንሓደ ካብ ተቐዳደምቱ፣ መሪሖሞ ንዝነበሩ ኤርትራዊ ኣማኑኤል ገብረግዚኣብሔርን ኣልጀርያዊ ዑዘን ላዕጋብን ንክቕድሞም፣ ‘ነዞም ሰሓብቲ ገመል ሕለፎም” ዝብል፡ ዘይእዱብ ቃል እናተጠቕመ’ዩ ኣብ ዓይኒ ካሜራ ኣትዩ።

ብኡ ንብኡ ካብ ማሕበረ ሰብ ኦሎምፒክን ኣፍቀርቲ ስፖርትን ተሪር ነቐፌታ ዝዘነቦ ፓትሪክ ሞስተር፣ ብዝፈጸሞ ጌጋ ከምዝተጣዕሰ እኳ እንተመልከተ፣ ካብ ሞዩኡን ውድድራት ኦሎምፒክን ካብ ምስጓግ ግና ከድሕኖ ኣይከኣለን።

ንጽባሒቱ፣ 29 ሓምለ ድማ ካብ ኦሎምፒክ ቶክዮ፣ ካብ ጃፓን ተባሪሩ ናብ ሃገሩ ጀርመን ከምዘምርሐ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0