ኣስመራ፣ ኣብ በዓላት ናይ ዝሕረዱ ከብትን ጤለ-በጊዕን ቆርበት፣ ፈቐድኡ ይጎሓፍ ኣሎ

Radio Erena: 06 May 2019

ኣስመራ፣ ኣብ በዓላትን ውራያትን ናይ ዝሕረዱ ከብትን ጤለ-በጊዕን ቆርበት፣ ፈቐድኡ ይጎሓፍ ኣሎ።

ቆርበት ዘልፍዓ፣ ዝምስርሓ ይኹና ናብ ወጻኢ ሃገርት ንሰደድ ዝልእካ ትካላት ዘይምህላወን’ዩ ጠንቂ ናይዚ ክብሉ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና የረድኡ።

ቅድሚ ሕጂ፣ ቀይሕ ባሕሪ ዝተባህለ ትካል ይእክቦ ምንባሩ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና “ናይ ወጻኢ ሸርፊ የብልናን” ብዝብል፣ ምእካብ ቆርበት ከምዘቋረጾ ኣፍሊጦም።

ቆርበት፣ ሓደ ካብቲ ናይ ወጻኢ ሸፊ ንምርካብ ዝሕግዙ ክነሱ፣ ነዚ ብዕቱብ ዝከታተል ኣካል መንግስቲ ይኹን ብሕታዊ ትካል ብዘይምህላዉ ግና እብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት፣ ቆርበት ፈቐድኡ ይጎሓፍ ከምዘሎ ኣገንዚቦም።

ስእሊ፣- (ፋይል) ኢንተርነት ኣርካይቭስ

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ሃብተ 5 years ago

    ቅድም እቃዕ እሞ ዝብላዕ ጠለ በጊዕ ተረኽበ።