ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ምብጻሕ ኣካይዱ

Radio Erena: 06 May 2019

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትይጵያ ናብ ሱዳን ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ልኡኽ፣ ብ5 ግንቦት ናብ ካርቱም ኣብ ድሕሪ ምእታው፣ ምስ ኣቦ መንበር መሰጋገሪ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ሌተናንት ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣል ቡርሃን ብምርኻብ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ሱዳንን፣ ኢትዮጵያ ከም ኣካል ሕብረት ኣፍሪቃ ሒዛቶ ዘላ መርገጺን ብዝምልከት ተዘራሪቡ።

ኢትዮጵያ ሉኣውነት ሱዳን ከምእተኽብርን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ጣልቃ ከምዘይትኣቱን ኣቶ ገዱ ኣብቲ ርክብ እኳ እንተገለጸ፣ መርገጺ መንግስቲ ኢትይጵያ ኣብ መሰጋገሪ ወትሃደራዊ ባይቶ ግና ብንጹር ኣይጠቀሰን።

ይኹን’ምበር፣ ኢትዮጵያ፣ ካብቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘውጽኦ ውሳኔ ዝፍለ መርገጺ ከምዘይብላ’ዩ ዝግለጽ።

መሰጋገሪ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ስልጣኑ ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ከረከብ’ዩ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝጽውዕ።

እቲ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳያት ከምዝተመያየጠ ይዝከር።

እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፣ ዛጊት ናብ ኢትዮጵያ ጥራይ’ዩ ምብጻሕ ኣካይዱ።

ህዝቢ ሱዳን ንዘካየዶ ህዝባዊ ናዕቢ ተጠቒሙ፣ ዕልዋ ዘካየደ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ስልጣኑ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከረክብ፣ ህዝቢ እታ ሃገር ብተቓውሞን ኣብያን ይጽውዕ ኣሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0