ኣምባሳደር ሶማል ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ፕረዚደንት ናብታ ሃገር ኣብ ዝገሸሉ እዋን ክብረት ተጋሂሱ ብዝብል መዝነቱ ሓዲጉ

Radio Erena: 24 May 2023

ኣምባሳደር ሶማል ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ሳሊም ማዓው ሓጂ፣ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣብ ዋዕላ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ናብታ ሃገር ኣብ ዝገሸሉ እዋን፣ ክብረይ ተጋሂሱ ብምባል መዝነቱ ከምዝሓደገ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ሓደ ካብ ምኩራት ዲፕሎማሰኛታት ሶማል ምዃኑ ዝተነግረሉ ኣምባሳደር፣ ፕረዚደንት ሓሰን ኣብ መበል 32 ዋዕላ ማሕበራት ሃገራት ኣብ ዝተሳተፈሉ ዕለት፣ ምስኡ ሓቢሩ ኣብቲ ዋዕላ ንኸይርከብ ስለዝተኸልከለ’ዩ መዝነቱ ሓዲጉ።

ኣምባሳደር ሳሊም፣ ፕረዚደንት ሶማል፣ ንሶማል ኣብ ዝወከልክሉ ሃገር ኣብ ዋዕላ ክሳተፍ እናመጸ፣ ካብቲ ዋዕላ ዝግለለሉ ምኽንያት፣ ፕሮቶኮል ዘይሓለወን፣ ከም ኣምባሳደር ክብረይ ዝግህስን’ዩ ክብል ገሊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ሓላፊ ፕሮቶኮል ፕረዚደንት፣ ሂንዳ ዑሎሶ፣ ኣብ ልዕሊኡ ዝወሰዶ ናይ ምኽልካል ስጉምቲ፣ ንክብሩን ክብሪ ሶማልን ዘዋርድ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ መልእኽቲ እኳ እንተሰደደ፣ እቲ ሚኒስትሪ ዝኾነ ስጉምቲ ብዘይምውሳዱ፣ ስልጣኑ ክሓድግ ከምዝወሰነ ኣነጺሩ።

ምስ ፕረዚደንት ሶማል ዝኸደት ጉጅለ፣ ነቲ ኣምባሳደር ናብቲ ዋዕላ ዝካየደሉ ኣዳራሽ ከይኣቱ ከምዝኸልከለቶ ዝጠቐሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዛ ዓብዲ ባረ ብወገኑ፣ ስልጣኑ ንክሓድግ ዘቕረቦ ውሳኔ ከምዝተቐበሎ ኣፍሊጡ።

መራሕቲ 22 ኣባላት ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ብ19 ግንቦት ኣብ ጂዳ ኣብ ዘካየድዎ ዋዕላ፣ ኣብ ጉዳያት ሱዳን፣ ሶርያን ፍልስጤምን ዘተኮረ’ዩ ኔሩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ምስ ሃገራት ዓረብ ኣብ ዝተኣሳሰር ዝተፈላለየ ጉዳያት ብምልዓል’ውን ዘተ ብምቕራብ እማመታት ከምዘሕለፉ ጸብጻባት እተን ሃገራት ጠቒሱ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0