‘ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ፣ ካብ 85 ክሳብ 90% ክፋሉ ተዛዚሙ።’

Radio Erena: 24 May 2023

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ መስርሕ፣ ካብ 85 ክሳብ 90% ከምዝተዛዘመ፣ ኣዛዚ ናይቲ ንምፍታሕ ዕጥቕን ትግባረ ስምምዕን ክትከታተል ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝቖመት ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ጀነራል ስቴፈን ራዲና ገሊጹ።

እቲ ጀነራል፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ክልል ትግራይ ዑደት ድሕሪ ምክያዱ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ዛጊት ልዕሊ 80% ናይቲ ክበጽሕዎ ዘለዎም ከባቢታት ከምዝሸፈኑ ብምጥቃስ፣ ዝመጽእ ወርሒ ድማ ናብቲ ዝያዳ ኣኻራኻሪ ኮይኑ ዘሎ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከባቢታት ሑመራ ከምዘተኩሩ ኣነጺሩ።

ጀነራል ስቴፋን፣ ኣብቲ ንልዕሊ 40 ወትሃደራውያን ኣማኸርትን ክኢላታትን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዝርከባ ኤምባሲታት፣ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብተወሳኺ፣ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዘሐጉስ መልክዑ ይትግበር ምህላዉ ኣረጋጊጹ።

እቶም መብዛሕቶም ንሃገራት ምዕራብ ዝወከሉ፣ ወትሃደራውያን ክኢላታትን ኣማኻርትን፣ ኣብ ትግራይ ንዝስዓበ ዕንወትን ትግባረ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝኸዶ ዘሎ መስርሕ ንምዕባዛ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ናብ ዝተፈላለየ ከባብታት ናይታ ክልል ዑደት ምክያዶም ‘ዩ ተሓቢሩ።

ሰራዊት ኤርትራ፣ ንምፍታሕ ዕጥቕን ትግባረ ስምምዕን ክትከታተል ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝቖመት ጉጅለ፣ ንጥፈታታ ብዝግባእ ንኸይተካይድ ዕንቅፋት ይፈጥር ኣሎ ክብል ግዝያዊ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምውቃሱ ይዝከር።

እንተኾነ መራሒ ናይታ ጉጅለ፣ ኬንያዊ ጀነራል ስተፌን ራዲና፣ ኣብቲ ንዘካይድዎ ዘለዉ ዕማማት ብዝምልከት ዝሃቦ መግለጺ፣ ዛዕባ’ቲ ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝቐረበ ወቐሳ ኣይጠቐሰን።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0