ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰላ፣ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ክናዋሕ ጸዊዑ

ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰላ፣ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ክናዋሕ ጸዊዑ

Radio Erena: 19 July 2018

sudanes armyኣማሓዳሪ ዞባ ከሰላ ኣደም ጃማ ኣደም፣ መንግስቱ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝኣወጆ ናይ ህጹጽ እዋን ድንጋጌ ክናዋሕ ናብ ኣባላት ባይቶ ኣብ ዘቕረቦ ጻውዒት ሓቲቱ።

ንሱ ነዚ ሕቶ ዘቕርብ ዘሎ፣ ኣብቲ ዞባ ብኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ተታሒዞም ዝጸንሑ 139 ሰባት ብፖሊስ ናጻ ኣብ ዝወጽሉ ግዜ ምዃኑ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ምብራቕ ሱዳን ካብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ዝጸንሐ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ክናዋሕ ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣቐዲሙ ናብ ኣባላት ባይቶን ኣመሓደርትን ጻውዒት ምቕራቡ ይዝከር።

ይኹን’ምበር ህዝቢ ምብራቕ ሱዳን፣ እቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣብ መዓልታዊ መነባብርኡ ኣሉታዊ ጽልዋ ፈጢሩ ከምዘሎ ብምምልካት ክእለ’ዩ ዝጠልብ።

ኣባላት ባይቶ ሱዳን፣ ብዛዕዚ’ዚ ብመንግስቲ ሱዳን ዝድገፍ ዘሎ ብህዝቢ ግና ተቓውሞ ዝገጠሞ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ብሰኑይ 15 ሓምለ ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ።

እንተኾነ ዝበጽሖ ውሳኔ ኣይተፈልጠን።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0