መአረምታ፣- ኣብ ማይ ስርዋ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኣስታት 40 ኣመንቲ ጴንጠ-ቆስጣል ተፈቲሖም

መአረምታ፣- ኣብ ማይ ስርዋ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኣስታት 40 ኣመንቲ ጴንጠ-ቆስጣል ተፈቲሖም

Radio Erena: 18 July 2018

Adi Abeyto

ኣብ ማይ ስርዋ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኣስታት 40 ኣመንቲ ጴንጠ-ቆስጣል ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ከምዝተፈትሑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ካብዞም ተፈቲሖም ዘለው ኣማኢት ሰባት፣ ገሊኦም ኣብ ምዕጢርን ካልእ ከባቢታትን ንሓያሎ ዓመታት ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኮይኖም ኣብዚ ቀረባ ናብ ማይ ስርዋ ዝተሰጋገሩ’ዮም።

ይኹን’ምበር ኣብ ፍሉይ ኣብተያተ ማእሰርቲ ተታሒዞም ዝርከቡ መንፈሳውያን ኣቦታትን መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያንን ገና ከምዘይተፈትሑ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣነጺሩ።

ህዝቢ ምስ ምውጻእ እዞም ንዓመታት ዝተኣሰሩ ኣመንቲ፣ ምፍታሕ ብኻልእ ጉዳይ ናይ ዝተኣስሩ ኤርትራውያን’ውን ይጽበ ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ብምኹብላልን ካልእ ጉዳያትን ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ተታሒዞም ዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊት’ውን ይፋነው ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የመልክት።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ዝርከቡ ብኮንትሮባንዳን ካልእ ጉዳያትን ዝተታሕዙ እሱራት፣ ዝተሃገረ ንብረቶምን ካልእን ብዝምልከት መሕተቲ ቅጥዒ ይመልኡ ምስ ምህላዎም፣ ንሳቶም’ውን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክፍትሑ’ዮም ዝብል ትጽቢት ይግበር።

 

ክቡራት ተኸታተልቲ፣ኣቐዲሙ ኣብ ዝቐረበ ዜና፣ ኣስታት 400 ዝብል ዝነበረ ብኣስታት 40 ተኣሪሙ ኣሎ። ብዘጋጠመ ጌጋ ይቕሬታ ንሓትት።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0