መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ 20 ዓመታት ቀጥታዊ በረራ ናብ ኣስመራ ጀሚሩ

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ 20 ዓመታት ቀጥታዊ በረራ ናብ ኣስመራ ጀሚሩ

Radio Erena: 19 July 2018

ethio plane in asmaraመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ናብ ኣስመራ ዘካየዶ ዝነበረ ቀጥታዊ በረራታት ን 20 ዓመታት ኣቛሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ትማሊ ሮቡዕ 18 ሓምለ ዳግማይ ጀመሩ።

ኣብቲ ናይ ትማሊ በረራ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ በዓልቲ ቤቱን ዝርከውቦም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነበር፣ ወከልቲ ሃይማኖታት፣ ስነ ጥበባውያን ዝርከብዎም 400 ሰባት ናብ ኣስመራ ተጓዒዞም።

ቦዪንግ 787 ድሪምላይነር ብዝዓይነታ ገዛፍ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ፈላሚ በረርኡ ናብ ኣስመራ ጀሚሩ ዘሎ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ መዓልታዊ ስሩዕ ኣገልግሎት ክህብ ምዃኑ ይገልጽ።

ብዘይካ’ዚ እቲ መንገዲ ኣየር፣ ኣብ መንገዲ ኣየር ኤርትራ 20% ብርኪ ክውንን መደብ ከምዘለዎ ይገልጽ።

ምጅማር መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ነቲ ናብን ካብን ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ንምጉዕዓዝ ኣብ መንገዲ ኣየር ግብጽን ቱርኪን ጥራይ ተሓጺሩ ዝጸንሐ ህዝቢ፣ ተወሳኺ ኣማራጺ ተፈጢርሉ ኣሎ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0