ኣመሪካ ኣብ ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ኣልሸባብ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ኣካዪዳ

ኣመሪካ ኣብ ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ኣልሸባብ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ኣካዪዳ

Radio Erena: 07 July 2017

us

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ኣልሸባብ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ተገሊጹ።

ብረቡዕ 5 ሓምለ ካብ ምክልኻል ኣመሪካ ዝወጸ መግለጺ ከምዘመልክቶ፣ እቲ ካብ መቆጻጸሪ ንቑጣ ኣፍሪቃ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዕዉት ከምዝነበረ ጠቒሱ።

ምስቶም ኣብ መሬት ዘለዉ ሓይልታት ዓቃብ ሰላምን ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልን ብምትሕብባር ከምዝተኻየደ ዝግለጽ ዘሎ እዚ መጥቃዕቲ፣ ካብ ከተማ ሞቓድሾ ኣስታት 500 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ጉጅለ ኣልሸባብ ምዃኑ እቲ ናይ ዋሺንግተን መግለጺ ይሕብር።

 

እቲ መጥቃዕቲ፣ ጉጅለ ኣልሸባብ ናይ ሶማልያ፣ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን መሻርኽታን መጥቃዕቲ ከካይድ ምዃኑ ብወግዒ ድሕሪ ምግላጹ ዝተዋህበ ግብረ መልሲ ምዃኑ እዮም ተንተንቲ ዘመልክቱ።

በቲ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣብ ሰብ ኮነ ንብረት ዝወረደ ጉድኣት ኣይተሓበረን።
===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0