ኤርትራ ማዕድናት ካብ ዘፍርያ 81 ሃገራት ዓለም ብምምሕዳራዊ ዓቕሚ ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ

ኤርትራ ማዕድናት ካብ ዘፍርያ 81 ሃገራት ዓለም ብምምሕዳራዊ ዓቕሚ ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ

Radio Erena: 06 July 2017

ኤርትራ ዝተፈላለየ ማዕድናት ካብ ዘፍርያ 81 ሃገራት ዓለም ብምምሕዳራዊ ዓቕሚ ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ ከምዘላ ተገሊጹ።

ባህርያዊ ሃብትን ምምሕዳራዊ ዓቕምን ዝከታተል ኣብ ኒው ዮርክ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ናይ 2017 ጸብጻቡ፣ ንግሉጽነትን ተሓታትነትን፣ ነዳዲ፣ ጋዝን ማዕድናትን ዘፍርያ ሃገራት ዓለም መጽናዕቲ ድሕሪ ምክያድ ንኖርወይ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ክሰርዓ እንከሎ፣ ንኤርትራ ከኣ ኣብ መወዳእታ ሰሪዑዋ ይርከብ።

ብሓፈሽኡ ሱሳን ሽዱሽተን ሃገራት ድኹም ወይ ዘየዕግብ ምምሕዳራዊ ዓቕሚ ከርእያ እንከለዋ 20 ሚእታዊት ከኣ ኣብ ዘዕግብ ኩነታት ከምዘለዋ ይሕብር።

ፕረዚደንት ትካል ምምሕዳር ባህርያዊ ሃብቲ (NRJI) ዳኒኤል ኩፍማን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ 1.8 ሚልዮን ድኻ ህዝቢ ዝርከበን እዘን 81 ሃገራት፣ ኣብ 2017 ሓደስቲ ሕግታት ብምውጻእ ምምሕያሻት የርእያ’ኳ እንተለዋ፣ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ብኣንጻሩ፣ ዋላ እቲ መሰረታዊ ዝኾነ ሓበሬታ ስለዘይህባ ግሉጽነት ከምዝጎድለን ኣመልኪቱ።

ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ብመንግስቲ ዝውነን ትካላት ማዕድን ዘለወን 48 ሃገራት ኣዕጋቢ ዘይኮነ ምምሕዳርን ዘይግሉጽነትን ከምዝረኣየለን ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፣ ኣብዘን ሃገራት ብልሽውናን ምጥፍፋእን ዓዚዙ ከምዝርከብ ይሕብር።

ኣብቲ ንኤርትራ ብዝምልከት ዝተኻየደ መጽናዕቲ፣ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝውነን ትካል ማዕድን ኤናምኮ፣ ብፍላይ ኣብ ምምሕዳር ኣታዊታት 5 ሚእታዊት ጥራይ ከመዝግብ እንከሎ፣ ንጽልዋ ዕደና ኣብ ኣከባቢ ኣዝዩ ድኹም ኣቓልቦ ከምዝህብ ተገሊጹ።

መንግስቲ ኤርትራ ንጥፈታት ዕደናታቱ ብግዱድ ዕስክርና የካይዶ’ሎ ዝብል ክሲ ከምዝተመስረቶ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ንኣታዊታቱ ብዝምልከት’ውን ንህዝቢ ግሉጽ ብዝኾነ ኣሰራርሓ ስለዘይክተል ንብልሽውና ርሒብ ዕድል ከፊቱ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታትን ተጣበቕቲ መሰላትን ይኸሱ።
===============

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0