ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ንኣልበሽር ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከተረክቦ ኔሩዋ ዝብል ክሲ ቀሪቡ

ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ንኣልበሽር ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከተረክቦ ኔሩዋ ዝብል ክሲ ቀሪቡ

Radio Erena: 07 July 2017

sudan

ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ዝተኸሰ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር፣ ደቡብ ኣፍሪቃ ገይሹሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፣ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር የእትያ ናብቲ ቤት ፍርዲ ከተረክቦ ኔሩዋ ዝብል ክሲ ቀሪቡ።

ካብ ዘ ሄግ ብዕለት 6 ሓምለ ዝወጸ መግለጺ ከምዘመልክቶ፣ ሰበስልጣን ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ነቲ ኣብ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንኽሳተፍ ናብ ሃገሮም ዝኣተወ ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከእትዉዎ ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም፣ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ስርሑ ንኸየካይድ ዕንቅፋት ከምዝኾኑዎ የመልክት።

ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት፣ ገበናት ኲናትን ጃምላዊ ህልቂትን ዝኽሰስ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ 2015 ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ኣብ መንጎ ሓያሎ ኣካላት’ቲ መንግስቲ ፍልልይ ተፈጢሩ ምንባሩ ይዝከር።

 

ተጣበቕቲ መሰላትን ገለ ፖለቲከኛታትን ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክርከብ ኣለዎ ክብሉ እንከለዉ፣ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብ ከኣ ንኣልበሽር ክሕልዎ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣባልነቱ ካብቲ ቤት ፍርዲ’ውን ክስሕብ ምዃኑ’ዩ ኣፍሊጡ።

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣብ ናይ ዕለት 6 ሓምለ ውሳኔኡ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ ምትሕብባር ብዘይምርኣያ ትኽሰስ እኳ እንተኾነት፣ ጉዳያ ግና ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘይቀርብ ኣፍሊጡ።

ተጣበቕቲ መሰላት ደቡብ ሱዳን፣ ንውሳኔ ዘ ሄግ ዘለዎም ደገፍ እኳ እንተገለጹ፣ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘይምሕላፉ ትርጉም ከምዘይብሉ ይገልጹ። ኣቐድም ኣቢሉ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዩጋንዳ፣ ጂቡቲ፣ ኬንያን ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ጉዳየን ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀሪቡ’ኳ እንተነበረ፣ ዛጊት ዝተረኽበ ፍረ ከምዘየለ እዮም ዝገልጹ።

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ፖለቲካዊ ድፍኢት ስለዘለዎ ኣብ ዝተወሰና ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራይ እዩ ዒላማ ጌሩ ዝሰርሕ ክብላ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣባልነተን ክስሕባ ምዃነን ኣፍሊጠን’የን።
===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0