ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ኣንቢራቶ ዘላ ማዕቀብ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ከተልዕሎ’ያ: ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን

             ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ኣንቢራቶ ዘላ ቁጠባዊ ማዕቀብ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ከተልዕሎ’ያ ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ገሊጹ።
             ሚኒስተር ኢብራሂም ጋንዶር ፕረዚደንት ኣልበሽር ናይ ስዑዲያን ቐጠርን ዑደቱ ዛዚሙ ናብ ሃገሩ ኣብ ዝኣተወሉ ኣጋጣሚ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ዝምድና ኣመሪካን ሱዳንን በዚ ዝኸዶ ዘሎ ምትሕብባር እንተቐጺሉ፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ማዕቀብ ሱዳን ከብቅዕ ምዃኑ ገሊጹ።

          ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ ምስ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ነዊሕ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ከምዘካየደ ድሕሪ ምሕባር፣ ምምሕዳር ዋሺንግተን ዝምድና ሱዳንን ኣመሪካን ናብ ንቡር ንምምላስ ቅሩብነት ከምዘለዎ ኣብሪሁ።
         ሱዳን ብወገና ምስታ ኣብ ዓለም ጸላዊ ተራ ዘለዋ ኣመሪካ ቁጠባዊ ሽርክነት ክትምስርት ድሌት ከምዘለዋ ኢብራሂም ጋንዶር ገሊጹ። ብተወሳኺ ምስ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ፣ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት፣ ሲ.ኣይ.ኤን ኤፍ.ቢ.ኣይን ቀጥታዊ ዝርርብ ብምክያድ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ዘይተፈትሐ ጉዳያት ምይይጥ ክግበረሉ ዝብል ሓሳብ ካብ ስዑዲ ዓረብ ከምዝቐረበ ተንተንቲ ፖለቲካ’ቲ ዞባ የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0