ኣብ ጸዓት ዝነጥፍ ብሪጣንያዊ ትካል ኣብ ርሑቕ ገጠራት ኤርትራ ናይ ኤለክትሪሲቲ ኣገልግሎት ንምሃብ ክሰርሕ’ዩ

        ኣብ ጸዓት ዝነጥፍ ብሪጣንያዊ ትካል ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ብምትሕብባር ኣብ ኤርትራ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ናይ ኤለክትሪሲቲ ኣገልግሎት ንምሃብ ይሰርሕ ከምዘሎ ተገሊጹ።
         እቲ ሶላር ሰንቹሪ ዝተባህለ ብሪጣንያዊ ትካል ብጸሓያዊ ጸዓት ሓይሊ ኤለክትሪክ ዘመንጩ መስመር ብምዝርጋሕ ኣብ ዓረዛን ማይድማን ናይ ኤለክትሪክ ኣገልግሎት ክህብ ምዃኑ ይገልጽ።

        ዳይረክተር ሶላር ሰንቹሪ ዶክተር ዳኔል ደቪስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እዚ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ኤርትራ ኣገልግሎት ኤለክትሪሲቲ ክህብ ስርሑ ኣብ ምጅማር ዝዳሎ ዘሎ ፕሮጀክት፣ 5.7 ሚልዮን ዩሮ ባጀት ተሰሊዑሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።
          ኣብ ዓረዛን ማይ ድማን ዝጅምር ዘሎ’ዚ ፕሮጀክት ዕዉት እንተኾይኑ ኣብ ካልእ ከባቢታት ኤርትራ’ውን ክቕጽል ተኽእሎ ከምዘሎ እቲ ዳይረክተር ገሊጹ።
         ብሓፈሻ ኣብ ኤርትራ ኣገልግሎት ጸዓት ንምምሕያሽ ካብ ዝተሰለዐ ባጀት፣ 8 ሚልዮን ዩሮ ሕብረት ኤውሮጳ፣ 1.9 ሚልዮን ዩሮ ኤርትራ፣ 1.9 ሚልዮን ዩሮ ከኣ ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝምዉልዎ ምዃኑ ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0