ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ንኤርትራን ጅቡትን ኣብ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ኣብ ጎኒ ጅቡቲ ከምእትስለፍ ኣፍሊጣ

ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ንኤርትራን ጅቡትን ኣብ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ኣብ ጎኒ ጅቡቲ ከምእትስለፍ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 21 July 2017

somaliland

ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ንኤርትራን ጅቡትን ኣብ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ኣብ ጎኒ ጅቡቲ ከምእትስለፍ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ርእሰ ምምሕዳር ሰዓድ ዓሊ ሽረ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ዘ ናሽናል ዝተባህለ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፣ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ኣብዚ ናይ ኤርትራን ጅቡትን ምስሕሓብ፣ ምስ ጅቡቲ ትውግነሉ ዘላ ምኽንያት፣ ብዘለዋ ጥቡቕ ዝምድናን ምትእስሳርን ምዃኑ ኣስሚርሉ።

“ጅቡቲ ካልኣይቲ ሃገርና’ያ፣” ዝበለ እቲ በዓል ስልጣን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ “ንጅቡቲ ዘጋጥማ ዝኾነ ዓይነት ተጻብኦታት ኣብ ጎና ደው ክንብል ግዴታ ኣሎና፣” ክብል’ዩ ኣስሚርሉ።

ቀጠር ካብ መስርሕ ሽምግልና ኤርትራን ጅቡትን ድሕሪ ምስሓባ፣ እዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ዳግም ተፋጢጠን ይርከባ።

ከም መተካእታ ናይቲ ዝሰሓበ ተዓዛቢ ሰራዊት ቀጠር፣ ኣብ ዶብ ኤርትራን ጅቡትን ዝተዋፈረ ኣካል ዛጊት የለን።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ተዓዛቢ ጉጅለ ንምልኣኽ ዘንቀዶ ውጥን ብሰንኪ ኣብያ መንግስቲ ኤርትራ ንኻልእ እዋን ከምዝተሰጋገረ’ውን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ተቓሊሑ’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0