ኣመሪካ፣ ክልተ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ደቡብ ሱዳን ኣጊዳ

Radio Erena: 19 December 2019

ምምሕዳር ትራምፕ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ንዘሎ ሓድሕዳዊ ግጭት ኣብ ምጉህሃርን መስርሕ ሰላም ኣብ ምትዕንቓፍን ዓቢ ግደ ኔርዎም ንዝበሎም ላዕለዎት ሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን ኣጊዱ።

እቶም እገዳ ዝተገብረሎም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ደቡብ ሱዳን፣ ሚኒስተር ምክልኻል ኳል ማንያንግ ጁክን ሚኒስተር ጉዳያት ካቢነ ማርቲን ኤልያሎሙሮን ‘ዮም።

ምክትል ጸሓፊ ጉዳያት ሃብቲ ሃገር ኣመሪካ ጃስቲን ሙዚኒች ኣብ ዝሃቦ በርሂ፣ እቶም ሚኒስተራት ንዓመታት ብዝቐጸለ ውግእ ሓድሕድን ካልእ ግጭታት ብምስዋርን ከምዝኽሰሱ ጠቒሱ።

እቲ እገዳ፣ እቶም ሚኒስተራት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝውንንዎ ሃብቲ ክድስክልን፣ ዜጋታት ኣመሪካ ምስኣቶም ዝኾነት ዓይነት ዋኒን ከይገብሩን ዘጠቓለለ’ዩ።

ኣመሪካ፣ ኣቐድማ’ውን ኣብ ልዕሊ ካልኦት 6 ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ተመሳሳሊ ስጉምቲ ወሲዳ’ያ።

እታ ሃገር፣ ምቛም ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ምንውሑ ዝምድናኣ ምስታ ሃገር ዳግመ-ግምት ክትገብረሉ ምዃናን ድሕሪ ምግላጻ፣ እገዳ ከተተግብር ተኽእሎ ከምዘሎ’ውን ኣጠንቂቓ’ያ።

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣን ደቡብ ሱዳን ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ ንመስርሕ ሰላም እታ ሃገር ብኣሉታ ከይጸልዎ ሓያሎ ወገናት ስግኣታቶም ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0