ኣመሪካ፣ ኣብ ጂቡቲ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከራታ ብ75 ሚልዮን ዶላር ክትሕድስ’ያ

Radio Erena: 14 August 2020

ኣመሪካ፣ ኣብ ጂቡቲ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከራን መደበር ሓይሊ ኣየራን ንምሕዳስ KBR ምስ ዝተባህለ ኩባንያ ናይ 75 ሚልዮን ዶላር ውዕል ከቲማ።

እቲ ኣመሪካዊ ኩባንያ፣ ነቲ ኣመሪካ ኣብ ጂቡቲ እትግልገለሉ፣ ወትህደራዊ መዓስከር ለሞንያን ቻበለይ ዝተሰምየ መደበር ሓይሊ ኣየርን ንምጽጋንን ንምሕዳስን ኣርባዕተ ዓመታት ክወስደሉ’ዩ።

ኣመሪካ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ መዓስከር ለሞንየ ብቀዋዋምነት ዓስኪሩ ዘሎ ኣስታት 4 ሽሕ ሰራዊታ፣ ንፍሉይ ስርሒታት ነፈርቲ ውግእን ሰብ ኣልቦ በረርትን ዘገልግል መደበር ሓይሊ ኣየር’ውን ኣለዋ።

ጂቡቲ ኣምሳያ ናይዚ ንኣመሪካ ዝፈቐደቶ ወትሃደራዊ መዓስከርን መደበር ሓይሊ ኣየርን ዓመታዊ ኣስታት ርብዒ ቢልዮን ዝግመት ኣታዊታት ከምእትረኽበሉ ይግለጽ።

ኣብ ጂቡቲ፣ ብዘይካ ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ቻይናን ጃፓንን’ውን ወትሃደራዊ መዓስከራት ከምዘለወን ይፍለጥ።

ኣመሪካ ነቲ ኣብ ጂቡቲ ዝርከብ መዓስከራታ እትጽግንን እትሕድስን ዘላ፣ ቻይና ኣብታ ሃገር ዘለዋ መዓስከር ከተስፍሕ ምዃና ድሕሪ ምግላጻ’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0