ኣመሪካ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘጋጠመ ደርቂ ዝውዕል 97 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ህጹጽ ናይ መግቢ ረድኤት ለጊሳ

ኣመሪካ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘጋጠመ ደርቂ ዝውዕል 97 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ህጹጽ ናይ መግቢ ረድኤት ለጊሳ

Radio Erena: 12 November 2015

USAID

ኣመሪካ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ንዘሎ ደርቂ ዝውዕል፣ 97 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ለጊሳ።

እቲ ብመንግስቲ ኣመሪካ (USAID) ዝተለገሰ ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት፣ ብቀጥታ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክዕድለን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ናብቲ ብደርቂ ዝተሃስየ ህዝቢ ከባጽሕን ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ለጊሳቶ ዘላ ህጹጽ ናይ መግቢ ረድኤት፣- እኽሊ፣ ዘይቲ፣ ጸባን ካልእ ዓይነት መግብታትን ዘጠቓለለ’ዩ።

 

ኣመሪካ ለጊሳቶ ዘላ ህጹጽ ረድኤት ኣስታት 20 ሚእታዊይ ናይቲ ኢትዮጵያ እትሓቶ ዘላ ሓገዝ ዝሸፈነ’ዩ።

ኢትዮጵያ ብደርቂ ናይ ዝተሃስየ ህዝባ ካብ 8.2 ሚልዮን ናብ 15 ሚልዮን ክብ ኢሉ ከምዘሎ፣ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ናይዚ ሳልስቲ’ዚ ሓድሽ ሓበሬትኡ ኣፍሊጡ።

ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ደርቂ ንምምካት፣ ናይ ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ህጹጽ ረድኤት ከምዘድሊ ዝገለጸ ሕቡራት ሃገራት፣ ለገስቲ ሃገራት ሓገዞም ከበርክቱ ጸዊዑ ኣሎ።

ኣብ ሓያሎ ክልላት ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ደርቂ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ህይወት ሰብ ዘብጽሖ ጉድኣት እኳ እንተዘየሎ፣ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ህጹጽ ረዲኤት እንተዘይተረኺቡ ግና፣ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ክፈጥር ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት የጠንቕቕ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0