ኤርትራ እትሳተፎ ዘላ ኣህጉራዊ ዋዕላ ስደተኛታት ኣብ ማልታ ይካየድ ኣሎ

ኤርትራ እትሳተፎ ዘላ ኣህጉራዊ ዋዕላ ስደተኛታት ኣብ ማልታ ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 12 November 2015

Malta Summit

ኣብ ጉዳይ ስደተኛታ ዘተኮረ ኣህጉራዊ ዋዕላ ኣብ ማልታ ይካየድ ኣሎ።

ኣብዚ ትማሊን ሎምን ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ፣ መራሕቲ 50 ሃገራትን ኣስታት 100 ወከልትን ይሳተፉ ኣለዉ።

መራሕቲ ናይተን ዜጋታተን ብብዝሒ ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለዉ ኤርትራን ሱዳንን፣ ኣብዚ ዋዕላ’ዚ ክሳተፉ ዕድመ ቀሪብሎም እኳ እንተነበረ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ ዋዕላ ከምዘይሳተፍ ኣቐዲሙ ብሬድዮ ኤረና ተገሊጹ’ዩ።

 

እንተኾነ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዝተመርሐ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ናይ ማልታ ዋዕላ ይሳተፍ ምህላዉ ተፈሊጡ።

ጵረዚደንት ሱዳን’ውን፣ ኣብዚ ንምግታእ ዋሕዚ ስደኛታት፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣ ደቂ ሰብን ንምግታእ ኣህጉራዊ ንቕሓት ንምፍጣር ዝዓለመ ኣህጉራዊ ዋዕላ ኣይተሳተፈን።

ፕረዚደንት ናይታ ኣብ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት ዓቢ ኣበርክቶ ክህልዋ ትጽቢት ዝግበረላ ሱዳን፣ ኣብዚ ዋዕላ ዘይተሳተፈሉ ምኽንያት ብሰንኪ’ቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢርዎ ዘሎ ናይ ማእስርቲ መጠንቐቕታ’ዩ።

ካብተን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዜጋታትን ብብዝሒ ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለዉ ሃገራት ዝተሳተፈ እንኮ መራሒ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ጥራይ’ዩ።

ድሕሪ ሱዳን፣ ስደተኛታት ከም ኣውራ መሰጋገሪ ዝጥቐሙላ ሊብያ፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ክትልእኽ እንከላ፣ ብጉዳይ ስደተኛታት ዘማርራ ዘለዋ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ብዘይካ ፖላንድ ብምሉአን ተሳቲፈን።

ፓላንድ ኣብዚ ዋዕላ ዘይተሳተፍትሉ ምኽንያት ምስ ኦፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ብሰንኪ ዘለዋ ምስሕሓብ’ዩ።

=======================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0