ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ኣብ ዕዳጋ ተወሳኺ ዘይምርግጋእ ይፈጥር

ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ኣብ ዕዳጋ ተወሳኺ ዘይምርግጋእ ይፈጥር

Radio Erena: 11 November 2015

Asmara Gold

ምቕያር ባጤራ ናቕፋ፣ ኣብ ዕዳጋ ተወሳኺ ዘይምርግጋእ ይፈጥር ምህላዉ ተገሊጹ።

ባንክ ኤርትራ ንባጤራ ናቕፋ ንምቕያር ዘውጽኦ ቅጥዕታት፣ ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ስለዝፈጠረ ኣብ ዕዳጋ ዝጸንሐ ዘይምርግጋእ መሊሱ ይብእስ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ምቕያር ባጤራ፣ ንሓደ ኣረጊት ናቕፋ ብሓደ ሓዲሽ ናቕፋ ምስ ምዃኑ፣ ኣብ ምቁጽጻር ዝቕባበ ዝመጽእ ለውጢ ስለዘይህሉ፣ ዕላማ ምቕያር እቲ ባጤራ ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ወጻኢ ኮይኑ ንዘሎ ባጤራ ንምእካብ ዝግበር ዘሎ ምዃኑ ህዝቢ ብንጹር ክርዳእ ክኢሉ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ህዝቢ ኣብ ኢዱ ዝጸንሐ ገንዘብ ናብ ንብረትን ካልእ ሃለኽቲ ነገራትን ንምቕያሩ ይጓየይ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

 

እቶም ምንጭታት ብዘይካ’ዚ፣ ከም ወርቂ፣ መኪና፣ ኣቑሑ ገዛን ካልእ ዝኣመሰለ ንብረት ኣብዘን ሒደት መዓልታት ጥራይ ርኡይ ናህሪ ኣርእዩ ምህላዉ ኣገንዚቦም።

ህዝቢ፣ ኣብ ባጤራ ናቕፋን ባንክታት መንግስቲ ኤርትራ ዘለዎ እምነት እናጎደለ ስለዝስኸደ፣ ዝበዝሀ ክፋል ገንዘቡ ኣብ ገዝኡ ክሕዞን፣ ብዝተኻእለ መተን ከኣ ናብ ናይ ወጻኢ ባጤራን ናብ ከም ገዛን ወርቕን ዝኣመሰል ንብረት ክቕይሮን ምጽንሑ’ውን ኣይዝንጋዕን።

ኣብ ባንክታት ኤርትራ ዝርከብ ብዝሒ ናቕፋ እናወሓደን፣ ኣብ ኢድ ውልቀሰባት ዝንቀሳቀስ ገንዘብ ከኣ እናበዝሐን ክመጽእ ብምጽንሑ፣ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ባጤራ ምቕያር ይገብር ከምዘሎ ካብ ህዝቢ ዝተኸወለ ኣይኮነን።

እዚ ናቕፋ ንምቁጽጻር ተባሂሉ ጥራይ ዝትግበር ዘሎ ምቕያር ባጤራ፣ ብዙሕ ናይ ወጻኢ ባጤራ ዝሓትት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ከም ዘይምርግጋዕ ዕዳጋ ዝኣመሰለ ካልእ ሳዕቤናት ከምጽእ ምዃኑ’ውን ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ክኢላታት ቁጠባ ኣቐዲሞም ገሊጾም’ዮም።

ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ካብ 18 ሕዳር ክሳብ 30 ታሕሳስ ክካየድ ምዃኑ’ዩ ባንክ ኤርትራ ኣፍሊጡ ዘሎ።

=====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0