ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዳ

Radio Erena: 12 August 2022

ኣመሪካ፣ ኣብ ከባቢ ‘ታ ኣብ ማእከላይ ሶማል እትርከብ ከተማ በለድወይን ተደጋጋሚ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ኣካይዳ።

ወትሃደራዊ እዚ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቲ ብ9 ነሓሰ፣ ሰለስተ ግዜ ዝተኻየደ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ፣ ፈደራላዊ ሰራዊት ሶማል፣ ኣንጻር ዕጡቓት ኣልሸባብ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ መጥቃዕቲ ንምሕጋዙ ዘንቀደ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

በቲ ደብዳብ፣ ብውሕዲ ኣርባዕተ ኣባላት ኣልሸባብ ከምዝተቐትሉ ብምጥቃስ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘየለ ኣገንዚቡ።

ኣልሸባብ፣ ሓይልታቱ ብምጥንኻር፣ ኣብ ማእከላይን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውብ ዞባታትን ሶማል ልዑል ምንቅስቓስ የካይድ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።

ብፍላይ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዋስን ከባቢታት፣ ዶብ እናሰገረ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

መጥቃዕታት ኣልሸባብ ከቢድ ስግኣት ዘሕደረላ ኢትዮጵያ፣ ኣስታት 2 ሽሕ ተወሳኺ ሰራዊት ናብ ውሽጢ ሶማል ብምውፋር፣ ነቲ ዕጡቕ ጉጅለ ንምድምሳስ ስርሒት ተካይድ ምህላዋ ይግለጽ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0