ኣመሪካ፣ ብሪጣንያን ነርወይን፣ ወደብ ፖርት ሱዳን ኣሰናኺሉ ዘሎ ኣድማ ደው ክብል ጸዊዐን

Radio Erena: 10 October 2021

ኣመሪካ፣ ብሪጣንያን ነርወይን፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ፣ ንወደብ ፖርት ሱዳንን ኣውራ መንገድታትን ዝዓጸወ ኣድማ ደው ክብል ጸዊዐን።

እዘን ሰለስተ ሃገራት፣ ብ8 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦኦ ሓባራዊ መግለጺ፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣጋጢሙ ንዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ምብራቕ ሱዳን፣ ብዘተ ክፈትሕ ተላብየን።

ፖለቲካውያን መራሕቲ ምብራቕ ሱዳን ብወገኖም፣ መሰጋግሪ መንግስቲ ንዘቕርቦ ዕድመ ፖለቲካዊ ዘተ ክጥቐምሉ ብምትሕስሳብ፣ ነታ ሃገር ብዝበኣሰ ብቁጠባ ዘልምስ ስጉምታት ካብ ምውሳድ ክቑጠቡ ተማሕጺነን።

ብላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤጃ ወይ ናዚሪስ ዝተጸውዐ ኣድማ፣ ካብን ናብን ወደብን ካልኦት ከተማታት ምብራቕ ሱዳን ንዘራኽብ ኣውራ መንገድታት ከምዝዕጾ ጌሩ ኣሎ።

ሳልሳይ ሰሙኑ ኣቝጺሩ ዘሎ ምዕጻው ወደብን ኣውራ መንገድታትን፣ ንቁጠባ እቲ ብዝያዳ ከምዝተገለለ ዝግለጽ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ብዝበኣሰ ሃስይዎ ይርከብ።

ካብ ብሄረ ቤጃ ዝኾኑ፣ ካልኦት ቀቢላታት ሃንደንደዋ፣ ነዚ ብላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ናዚሪስ ዝካየድ ዘሎ ኣድማ፣ ዝቓወም ሰለማዊ ሰልፍታት’ውን ኣካይዶም’ዮም።

እንተኾነ፣ ኣብቲ ዞባ ዓብላሊ ጽልዎ ዘለዎ ምንቅስቃስ ቤጃ ናዚሪስ፣ ዘቕረቦ ጠለባት ክሳብ ዝማላእ፣ ኣድማ ደው ከምዘየብል ኣፍሊጡ።

ብሓደ ኣባል ሉኣላዊ ቤት ምኽሪን ሚኒስተራትን ዝተወከለ ልኡኽ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳንን ምስ ሓለፍቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤጃ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፖርት ሱዳን ዘካየዶ ዘተ ፍረ ክርከቦ ኣይከኣለን።

ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤጃ፣ ካብ ዘቕረቦ ጠላባት ሓደ፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ካብ ዝርከብ ጸጋታት፣ እቲ 50% ኣብቲ ዞባ ብፍላይ ድማ ዞባታት ቀይሕ ባሕሪ፣ ገዳርፍን ከሰላን ክውዕል ኣለዎ ዝብል’ዩ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0