ወከልቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ወገናቶም ብዝምልከት ምስ ሓላፊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዘትዮም

Radio Erena: 11 October 2021

ኣርባዕተ ኣባላትን ወደብትን ኮሜቴ ሰለማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣሻቓሊ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ናይቶም ኣብ መዓስከራት ክልል ትግራይ ዝርከቡ ብዝምልከት ምስ ላዕለዋይ ሓላፊ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ (ኢሰመጉ) ዶ/ር ዳንኤል በቀለ ዘትዮም።

ንሳቶም ኣብ ዘትኦም ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ-ዓይንን ዓዲ-ሓሩሽን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፍሉጣትን ዘይፍሉጣትን ዕጡቓት ጉጅለታት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ምዃኖም ኣዘኻኺሮም።

ከምኡ’ውን ኣብቲ መዓስከራት፣ ራስያን ዝምታን ንብረታቶም፣ ዋሕዲ መግቢ፣ ማይን ሕክምናዊ ኣገልግሎታትን ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ብሰንኪ ጥሜትን ዓጸቦን ህይወት ህጻናት ይሓልፍ ምህላዉ ኣተሓሳሲቦም።

ኮሚሽነር (ኢሰመጉ) ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ዶ/ር ዳንኤል በቀለ ብወገኑ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ምስ ሓላፊ UNHCR ኣብ ኢትዩጵያ ከምዝተዘራረበን እንተኾነ” ንሕና እንፈልጦ ሓበሬታ የለን !” ዝብል መልሲ ከምዝረኸበን፣ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ወገናት ጠቒሶም።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ይዘራረቡ ከምዘለዉ እንተዘይኮይኑ፣ ዛጊት ዘዕግብ መልሲ ከምዘይረኸበን ሓቢርዎም።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0