ኣልሸባብ ኣብ ዶብ ኬንያ ሽዱሽተ ሰባት ቀቲሉ

Radio Erena: 07 October 2016

Als

ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ዶብ ኬንያ ኣብ እትርከብ ከተማ ማንደራ፣ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ሰለማውያን ሰባት ብምእታው ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝቀተለ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ዕጡቕ ጉጅለ፣ ናብ 6 ጥቅምቲ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ናብ መንበሪ ኣብያቲ እታ ከተማ ብምእታው፣ ንኣመንቲ እስልምናን ክርስትናን ብምፍላይ፣ ነቶም ኣመንቲ ክርስትና ከምዝረሸኖም’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

መንግስቲ ኬንያ፣ ጸጥታ እታ ተደጋጋሚ እዋን ግዳይ ኣልሸባብ እትከውን ዘላ ከተማ ማንደራን ህዝባን ንምውሓስ ሓይሎ ወትሃደራዊ ስጉምታት እኳ እንተወሰደ ምሉእ ብምሉእ ግና ክቆጻጸሮ ኣይከኣለን።

እቲ ሽበራዊ ጉጅለ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ’ውን ኣብታ ከተማ ብተመሳሳሊ ኣገባብ፣ 28 ኣመንቲ ክርስትና ከምዝቐተለ ኣይርሳዕን።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0