ኣልሸባብ ብዝፈጸመ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ሓደ ጀነራል ዝርከቦም ሓያሎ ወትሃደራት መንግስቲ ተቀቲሎም

Radio Erena: 20 September 2016

Alsh

ኣልሸባብ፣ ኣብ መኪና ብዘጻወዶ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ሓደ ጀነራል ምስ ዓጀብቱ ተቐቲሉ።

እቲ ብሰንበት 18 መስከረም፣ ኣብ ማእከከል ከተማ ሞቋድሾ፣ ኣብ ጎደተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ነቲ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት መንግስቲ ዝኾነ፣ ብጎባናለ ዝፍለጥ ጀነራል መሓመድ ሮብለ ንምቕታል ዝዓለመ ምንባሩ ዝገለጸ ኣልሸባብ፣ ዒላምኡ ብልክዕ ከምዝወቕዐ ኣፍሊጡ።

ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ሞቛድሾ’ውን እቲ ጀነራልን ሓያሎ ካልኦት ኣብላት ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስትን ከምዝተቐትሉ ኣረጋጊጹ።

 

ነቲ ጀነራልን ካልኦት ኣዘዝትን ዝዓጀበ ቓፍላይ ካብ ወትሃደራዊ ሆስፒታል ተበጊሱ ናብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል እናምርሐ’ዩ፣ ሓደ ኣባል ኣልሸባብ፣ ነታጕ ዝተጻወዳ መኪና ብምፍንጃር፣ ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺምዎ።

ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ወትሃደራውያን ኣዘዝቲን ሰበ ስልጣንን ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ክፍጽም ምዃኑ ብማዕከናት ዜና ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣጠንቒቑ ኣሎ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0