ብስእነት ፕላስቲክ፣ ብመቕድሒ ማይ፣ ጸባ ዝሸይጥ ዘሎ ፋብሪካ ጸባ ኣስመራ፣ ኣብ ጥዕና ጸገም ከየምጽእ ይስጋእ

ብስእነት ፕላስቲክ፣ ብመቕድሒ ማይ፣ ጸባ ዝሸይጥ ዘሎ ፋብሪካ ጸባ ኣስመራ፣ ኣብ ጥዕና ጸገም ከየምጽእ ይስጋእ

Radio Erena: 19 September 2016

Asma milk

ፋብሪካ ጸባ ኣስመራ፣ ኣብ ፕላስቲክ ብምዕሻግ ንዕዳጋ ዘውርዶ ዝነበረ ጸባ፣ ብሰንኪ ስእነት ፕላስቲክ ደው ብምባሉ፣ እናተቐድሐ ዝሽየጥ ጸባ ኣብ ጥዕና ጸገም ከየምጽእ ስግኣት ከምዘሎ ብመንግስቲ እትውነን ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ተኣሚና።

እታ ኣብ ኤርትራ እንኮ ዝኾነት 12 ገጻት ጥራይ ዘለዋ ጋዜጣ፣ ንወነንቲ ትካላት ብምጥቃስ ብሮቡዕ 14 መስከረም ኣብ ዘስፈረቶ ዜና፣ ፋብሪካ ጸባ ኣስመራ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ብፕላስቲክ ዝተዓሸገ ውሑስን ኣተኣማማንን ጸባ ምቁራጹ፡ ንጥዕና ናይ’ቲ ብቢዶኒታት ኮነ ብመትሓዚ ማይ ዝዕደል ዘሎ ጸባ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ምዃኑ ኣፍሊጣ።

“ፕላስቲክ የለን” ብዝብል ምኽንያት ብዝተፈላለየ መትሓዚታት ካብቲ ፋብሪካ ዝወጽእ ዘሎ ጸባ፡ ሳዕቤኑ ከይከበደ እንከሎ ዝምልከቶ ኣካል ቅልጡፍ ፍታሕ ከናዲ ተላብዮም።

 

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል ሓላፊ ኣሃዱ ከባብያዊ ጥዕና ኣቶ ኣብራሃም በላይ ንጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ጸባ ብኣንጻር’ቲ ዘለዎ ትሕዝቶ፡ ንጥዕና ወዲ-ሰብ ዘስግኡ ታህዋስያን ናይ
ምፍራይ ተኽእሎ ስለዘለዎ፡ ኣብ ዝሑል ቦታ ክዕቀብን ውሑስ መዐሸጊ ክግበረሉን ከምዝግባእ’ዩ ዝገልጽ።

ኣቦ-መንበር ቦርድ ናይ’ቲ ነቲ ፋብሪካ ዝውንን ማሕበር ኣፍረይቲ ጸባ ኣቶ ረዘነ ጳውሎስ፡ 2 ሽሕ ሊትሮ ንመዓልቲ ዝነበረ ፍርያት ጸባ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ናብ 15 ሽሕ ሊትሮ ክብ ብምባሉ መዐሸጊ ፕላስቲክ ቀልጢፉ ከምዝሃለኸ ብምሕባር፡ ኣጋጢሙ ዘሎ ግዝያዊ ጸገም ኣብ ቀረባ እዋን ክፍታሕ ምዃኑ ገሊጹ።

ይኹን’ምበር፣ ኣብ ኣስመራን ሓያሎ ከባቢታት ኤርትራን ግኑን ዋሕዲ ጸባ ከምዘሎን ንዋጋ ሓንቲ ሊትሮ ጸባ ከኣ ልዕሊ 20 ናቕፋ ከምዝበጽሐን ብተደጋጋሚ’ዩ ዝግለጽ።

ኣካያዲ ስራሕ ፋብሪካ ጸባ ኣስመራ ኣቶ መብራህቱ ባህታ ብወገኑ፡ እቲ ፋብሪካ ጸባን ውጽኢት ጸባን ንህዝቢ ኣብ ምቕራብ ክነጥፍ ምጽንሑ ጠቒሱ፡ ተገልገልቲ ኣብ ፋብሪካ ኣጋጢሙ ዘሎ ግዝያዊ ጸገም ክሳብ ዝፍታሕ፡ ሒዞምዎ ዝመጹ መትሓዚ ጽሬቱ ዝተሓለወ ክኸውን ኣብቲ ንጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝሃቦ ለበዋ ኣተሓሳሲቡ።

መንግስቲ ብግቡእ ከመሓድሮ ዘይክኣለ ፋብሪካ ጸባ ኣስመራ፡ ኣብ ዝተሓተ ደርጅኡ ድሕሪ ምቅዳቑ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ብሓረስቶት ኣፍረይቲ ጸባ ንኽውነን ከምዝሓደጎ ይፍለጥ።

ብቁጠባን ምዕባለን ጽቡቕ ንግስግስ ኣሎና ክብል፣ ተደጋጋሚ እዋን ጎስጓስን ፕሮፖጋንዳን ዘካይድ መንግስቲ ኤርትራ፣ እኹል ከም ጸባን መሰረታውያን ሃለኽቲ ነገራት ከቐርብ ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣሉ፣ ነተን ኣቐዲመን’ውን ዝሐሸ ፍርያት ዝሃባ ዝነበራ፣ ኣብ ዒላ በርዒድ፣ ኣስመራን ካልእ ከባቢታን ዝርከባ ትካላት ፍርያት ጸባን ካልእ ዕሹግ መግብታትን ናብ ዝተሓተ ደረጅአን ክወርዳ እንከለዋ ካልኦት ከኣ ጠቕሊለን ከምዝተዓጽዋ ይዝከር።

ኣብ ኤርትራ፣ ካብዚ ዝሓለፈ ኣስታት 10 ዓመታት፣ ርኡይ ዋሕዲ ከም ባኒ፣ ጸባ፣ ሽኮር፣ ዘይትን ፊኖን ዝኣመሰለ መሰረታዊ መግቢታት ከምዘጋጠመ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብዘይሕጋዊ ንግዲ ብኮንትሮባንዳ ብሱዳንን ካልእን ዝኣቱ ዘሎ ዕሹግ መግብታት ሳዕሪሩ ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ’የ ዝሰርሕ ዘለኹ ዝብል መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብዚ 25 ዓመታት ውሕስነት ሓንቲ ባኒ ንሓደ ሰብን ጸባ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

==============================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0