ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኣልበሽር ዝመስረቶ ክሲ ክስርዞ ሕብረት ኣፍሪቃ ወሲኑ

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኣልበሽር ዝመስረቶ ክሲ ክስርዞ ሕብረት ኣፍሪቃ ወሲኑ

Radio Erena : 03 February 2015

Albnaba

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ዝመስረቶ ናይ ገበን ክሲ ክስርዞ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ወሲኖም።

እቲ ውሳኔ ኣብ ዝሓለፈሉ ዋዕላ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሳተፈ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዓሊ ኻርቲ፣ ብጉዳይ ዳርፉር ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኣልበሽር ዝተመስረተ ክሲ ክልዓል እቲ ሕብረት ክደፍኣሉ ምዃኑ ገሊጹ።

 

ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣቐዲመን ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣልበሽር ዝተመስረተ ክሲ ብምንጻግ፣ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝገሾ ሃገር ተታሒዙ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክቀርብ ንዝብል ውሳኔ ከምዘየተግብራ ኣረጋጊጸን’የን።

ከም ኤርትራ፣ ኡጋንዳ፣ ኬንያ፣ ዚምባብዌን ሊብያን ዝኣመሰላት ሃገራት ከኣ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብቲ ዘይፍትሓዊ’ዩ ዝበልኦ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክወጻ ምጽውዐን ይዝከር።

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣብ ስልጣን ንዘሎ መራሒ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብዓሌት ናይ ምጽናትን ካልእ ገበናት ኵናትን ክኸስስ፣ ንፕረዚደንት ኣልበሽር ናይ መጀመርያኡ’ዩ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0