ፖሊስ ከሰላ፣ ፊኖን ሰሜንቶን ጽዒና ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተምርሕ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ኣውቶቡስ ብዝኸፈትዎ ቶኽሲ ክልተ ሰባት ተቐቲሎም

ፖሊስ ከሰላ፣ ፊኖን ሰሜንቶን ጽዒና ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተምርሕ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ኣውቶቡስ ብዝኸፈትዎ ቶኽሲ ክልተ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 02 February 2015

KesTes

ፖሊስ ሱዳን፣ ካብ ከባቢ ከሰላ ናብ ምብራቓዊ ሰነኽ እታ ከተማ ናብ ዝርከብ ኡም ሳፋሪ ዝተባህለ ቦታ እትጎዓዝ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ኣውቶቡስ ብዝኸፈትዎ ቶኽሲ ክልተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እታ መራሒኣን ውሑዳት ሰባት ጥራይ ዝነበሩዋ ኣውቶቡስ ክሻታት ፊኖን፣ ሰሜንቶን ካልእ ዝተፈላለየ ነገራትን ጽዒና ከምዝነበረት ክፍለጥ እንከሎ፣ ብሓደ መኮነን ዝተመርሑ ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ ከሰላ ኣብ ልዕሊ እታ ብናህሪ ትሕንበብ ዝነበረት ኣውቶቡስ ብሃንደበት ጽዕጹዕ ቶኽሲ ዝኸፈትሉ ምኽንያት ግና ዛጊት ኣይተነጸረን።

 

ብመንገዲ’ዚ ናይ ከሰላ መስመር፣ ከም ዘይቲ፣ ፊኖን ካልእ ዝተፈላለየ ሃለኽቲ ነገራትን ብኮንትሮባንዳ ናብ ተሰነይ ከምዝኣቱ ዝፍለጥ’ዩ።

ይኹን’ምበር እዚ ፖሊስ ከሰላ ብ27 ጥሪ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ፊኖን ሰሜንቶን ጽዒና ዝነበረት ኣውቶቡስ ዝኸፈትዎ ቶኽሲ ምስዚ ምትሕሓዝ ምህላዉ ዝተረጋገጸ ነገር የለን።

ኣብ ካልእ ናይ ዜና ሱዳን፣ ኣብ ደቡብ ኮርዶፍን ብተቓወምቲ ተታሒዞም ዝጸንሑ ሽዱሽተ ቡልጋርያውያን ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝተለቁ ተገሊጹ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቡልጋርያን በብወገኖም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺታት መሰረት፣ እቶም ኣብ ሱዳን ኣብ ምስ ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ክነጥፉ ዝጸንሑ ቡልጋርያውያን፣ ብስራሕ ኣብ ዝንቐሳቐስሉ ዝነበሩ እዋን ተሰቒሎማ ዝነበሩ ሄሊኮፕተር ብሰንኪ ቴኪኒካዊ ምኽንያት ብሃንደበት ክትዓልብ ድሕሪ ምግዳዳ’ዮም ብተቓወምቲ መንግስቲ ሱዳን ተታሒዞም ጸኒሖም።

እቶም ሽዱሽተ ቡልጋርያውያን ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ከባቢ ኮርዶፋን ዝንቐሳቐስ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሰሜን ሱዳን ሒዝዎም ከምዝጸንሐ’ዩ ተገሊጹ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0