መንግስቲ ኤርትራ፣ 47.52 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤለኢክትሪክ ዘመንጭዋ ክልተ ጀነሬተራት ካብ ቻይና ንምዕዳግ ተሰማሚዑ

መንግስቲ ኤርትራ፣ 47.52 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤለኢክትሪክ ዘመንጭዋ ክልተ ጀነሬተራት ካብ ቻይና ንምዕዳግ ተሰማሚዑ

Radio Erena : 03 February 2015

Hirgi

መንግስቲ ኤርትራ ፣ንዘጋጥም ዘሎ ሕጽረት ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክ ንምምላእ ካብ ቻይና ክልተ ተወሰኽቲ ጀነሬተራት ንምዕዳግ ስምምዕ ከቲሙ።

ክልተ ኩባንያታት ቻይና፣ ነተን ጀነሬተራት ብመሰረት ጠለብ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምድላው ከምዝርከባ ነቲ ውዕል ምስ በዓል መዚ ኤሌክትሪክ ኤርትራ ዝኸተመ ሻንጋይ ኤሌክትሪክ ዝተባህለ ትካል ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እተን ዘመናውያን ጀነሬተራት፣ ብነዳዲ ዝሰርሓ ኮይነን 47.52 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከመንጭዋ ትጽቢት ኣሎ።

 

እዘን መንግስቲ ኤርትራ ዝዕድገን ዘሎ ክልተ ጀነሬተራት ምስተን ኣብ ምስፋሕ ዓቕሚ ናይቲ ኣብ ሕርጊጎ ዝርከብ መደበር ጸዓት ኤሌክትሪክ ዓቢ ኣበርክቶ ክህልወን ምዃኑ’ውን ይግመት።

ብመሰረት ጸብጻብ በዓል መዚ ኤሌክትሪክ፣ ኣብ ኤርትራ 55 ሚእታዊ ሓይሊ ኤልክትሪክ ኣብ ኢንዱስትርያዊ መዓላታት ክውዕል እንከሎ፣ 22 ሚእታዊት ከኣ ኣብ ዘቤታዊ መዓላ ይሃልኽ።

እቲ ዝተረፈ 21 ሚእታዊት ከኣ ኣብ ንግዳዊ መዓላታት ዝውዕል’ዩ።

እዘን ክልተ ብነዳዲ ዝሰርሓ ዘመናውያን ጄነሬተራት ኣብ ኣገልግሎት እንተ ውዒለን፣ 73 ሚእታዊት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝሃልኽ ኤሌክትሪክ ካብ ጀነሬተራት ዝርከብ ክከውን’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ከም ብጸሓይ፣ ንፋስንን ሓይሊ ማይ ማለት ሃይድሮ ኤሌክትሪክን ዝኣመሰለ ተወሳኺ ኣማራጺታት ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ንምንዳይ መጽናዕቲ ይካየደሉ እኳ እንተኾነ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ግና ኣተኣማማኒ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብነዳዲ ካብ ዝሰርሓ ጀነሬተራት ጥራይ’ዩ ዝርከብ ዘሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዕደና፣ ጸዓትን ህንጻን ናይ ዝነጥፋ ዘለዋ ኩባንያታት ቻይና እናዛየደ ይከይድ ምህላዉ ጸምጻባት ካብ ኤርትራ የመልክቱ።

ኣብ ምህናጽ ፋብሪካ ሰሜንቶ ገደም ብዝልዓለ ክነጥፍ ዝጸንሐ ናይ ቻንያን ኩባንያ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ’ውን ኣብ ምስፋሕ ወደብ ባጽዕ ይሰርሕ ምህላዉ ኣቐዱሙ ብሬድዮ ኤረና ምግላጹ ኣይርሳዕን።

እቲ ኩባንያ፣ ወደብ ባጽዕ ክሳብ መፋርቕ 2016 ኣብ ዘሎ ግዜ ንምስፋሕ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ኣስታት 400 ሚልዮን ዶላር ስምምዕ ምኽታሙ’ውን ይዝከር።

=============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0