ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጽነት ሃይማኖታት፣ ኤርትራ ንእትርከበን ሒደት ሃገራት ማእከል ብምግባር ተዘኪሩ

Radio Erena: 31 October 2016

Faith Prisoners

ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጽነት ሃይማኖታት ብደረጃ ዓለም ተዘኪሩ።

ኣብቲ ብ27 ጥቅምቲ ተዘኪሩ ዝወዓለ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጽነት ሃይማኖታት፣ ኤርትራ ብምግሃስ መሰል ሃይማኖታት ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስራዓ ሃገራት ብምዃን፣ ብፍሉይ ተተኩሩላ ከምዝወዓለ ከካብ ቦትኡ ዝወጸ መግለጺታት ይሕብር።

ኣብ ብሪጣንያን ኣመሪካን፣ ብምኽንያት እዛ ዕለት ኣብ ዝተጋብአ ዋዕላታት፣ ኤርትራ፣ ኢራንን ፓኪስታንን መሰል ሃይማኖታት ከኽብራ ፍሉይ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ኤርትራ፣ ስዑድ ዓረብ፣ ኢራን፣ ቻይና፣ በርማ፣ ሰሜን ኮርያ፣ ቱርኪመኒስታን፣ ታጂኪስታን፣ ኡዝበኪስታንን ሱዳንን ብምግሃስ መሰል ሃይማኖታት፣ ኣብ ኣተሓሳሳቢ ደረጃ ዝርከባ ሃገራት ተባሂለን ኣብ መዘገብ ካብ ዝሰፈራ’የን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ 90 ዓመት ንዝዕድሚኦም፣ ፓትርያርክ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ፣ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ዝርከብዎም ሓያሎ ኣማኢት መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትና፣ እስልምናን ጂሆቫን ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ንሓያሎ ዓመታት ቀይዱ ይርከብ።

ብዘይካ’ዚ’ውን እቲ መንግስቲ ኣሽሓት ኣመንቲ ዝተፈላለዩ እምነታት ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ዳጕኑ ኣሎ።

ሓያሎ ካብዞም ብእምነቶም ዝተኣስሩ ኣሽሓት ኤርትራውያን፣ ሰኣን ግቡእ ኣተሓሕዛን፣ ኣብ ልዕሊኦም ብዝተፈጸመ ስቅያትን ግዳያት ሞትስን ስንክልናን ከምዝኾኑ’ውን ተሰኒዱ ይርከብ።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0