ህግደፍ፣ ብዛዕባ’ታ መቐለ ዝዓለበት ነፋሪትን ዑቕባ ዝሓተቱ ክልተ ኣብረርታን ዝተቃልሐ ዜና ‘ሓሶት’ዩ’ ዝብል ጎስጓስ የካይድ

ህግደፍ፣ ብዛዕባ’ታ መቐለ ዝዓለበት ነፋሪትን ዑቕባ ዝሓተቱ ክልተ ኣብረርታን ዝተቃልሐ ዜና ‘ሓሶት’ዩ’ ዝብል ጎስጓስ የካይድ

Radio Erena: 31 October 2016

Eraf

ደገፍቲ ህግደፍ፣ ብዛዕባ’ታ ብ26 ጥቅምቲ ካብ ኣስመራ ተበጊሳ መቐለ ዝዓለበት ነፋሪትን ዑቕባ ዝሓተቱ ክልተ ኣብረርታን ዝተዘርግሐ ዜና ‘ሓሶት’ዩ’ ዝብል ጽዑቕ ጎስጓስ የካይዱ ኣለዉ።

ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብዛዕባ እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዑቅባ ዝሓተቱ ክልተ ኣብረርቲ ብቢቢሲ ተሓቲቱ፣ “ጎሓፍ”ዩ” ክብል ሓሶት ምዃኑ ንዝሃቦ ምላሽ እናጠቐሱ’ዮም፣ ደገፍቲ ህግደፍ እቲ ሓበሬታ ቅኑዕ ከምዘይኮነ ዝማጎቱ ዘለዉ።

እዚ ከይኣክል’ውን መርበባት ሓበሬታ ህግደፍ፣ ኣሶሸትድ ፕረስ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ነፋሪቶም ዑቕባ ዝሓተቱ ክልተ ኤርትራውያን ኣብረርቲ ዘቕረቦ ዜና ሓሶት ምዃኑ ተኣሚኑ ክብላ የጋውሓ ኣለዋ።

እንተኾነ መብራህቱ ተስፋማርያምን ኣፈወርቂ ፍስሃየን ዝተባህሉ ክልተ ኤርትራውያን ኣብረርቲ፣ ናይ ልምምድ ነፋሪት ሒዞም ብሮቡዕ 26 ጥቅምቲ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከተማ መቐለ ብምዕላብ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ሬድዮ ኤረና ከተረጋግጽ ክኢላ’ያ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘለዉ’ውን ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ኣብዚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣርባዕተ ኣብረርቲ ኣብ ኢጣልያን ኢትዮጵያን ዑቕባ ክሓቱ እንከለዉ፣ ኣብዚ ኣርባዕተ ዓመት ከኣ ብድምር ሸውዓተ በጺሖም ኣለዉ።

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ዘሎ ሕሱም ኩነታት ምልኪን ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፣ ሓካይም፣ ጋዜጠኛታት፣ ኣብረርቲ (ነፈርቲ ፓይሎት)፣ ደያኑ፣ ክኢላታት ሕጊ፣ መማህራንን ሰብ ካልእ ሞያን ዝርከብዎም ኤርትራውያን ብብዝሒ ይስደዱ ምህላዎም ዝከሓድ ኣይኮነን።

እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ደገፍቱን፣ ነዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ኣትዩ ዘሎ ዋሕዚ ናብ ስደት ሓንሳእ ክኽሕድዎ ካልእ እዋን ከኣ ብውዲት ማእከል ስለያ ኣመሪካ (CIA) ዝተደፋፍኡ’ዮም እናበሉ ክገልጹ ይስምዑ’ዮም።

=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0