ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ዕሉላት ጸላእቲ ናጻ ፕረስ ካብ ዝኾኑ 28 መራሕቲ ሃገራት፣ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዑ

Radio Erena: 31 October 2016

Predetor

ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ካብ ዕሉላት ጸላእቲ ናጻ ፕረስ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ከምዝስራዕ ሓድሽ ጸብጻብ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ኣፍሊጡ።

እቲ ፓሪስ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ዝርዝር ዕሉላት ጸላእቲ ናጻ ፕረስ፣ እቶም 28 መራሕቲ ሃገራት ክኾኑ እንከለዉ ሸውዓተ ከኣ ከም ዳዒሽ፣ ጣሊባን፣ ሑቲ፣ ኣልሸባብን ዝኣመሰሉ ጉጅለታት’ዮም።

ካብቶም ዕሉላት ጸላእቲ ናጻ ፕረስ ተባሂሎም ዝተረቑሑ 28 መራሕቲ ሃገራት፣ እቶም 10 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኮይኖም፣ ነዚኦም መሪሑ ኣብ ቅድሚ ዝርከብ ከኣ ፕረዚደንት ኤርትር ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ዩ።

ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሓደ ዝርዝር ዝርከቡ ጻላእቲ ናጻ ፕረስ ዝኾኑ 10 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ናይ ግብጺ፣ ዴሞክርስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ርዋንዳ፣ ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ሱዳን፣ ዚምባብዌ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ጋምብያን ብሩንዲ’ዮም።

ብዘይካ መራሕቲ ግብጽን ደቡብ ሱዳንን፣ እቶም ካልኦት ሸሞንተ ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ኮይኖም፣ ንናጽነት ፕረስ ብዘለዎም ሕሉፍ ራዕዲ ግና ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝወዳደር ኣይተረኽበን።

ኣብ ዝበዝሓ እዘን ሃገራት፣ መንግስቲ ብጽኑዕ ዝቖጻጸሮ ናይ ብሕቲ ሜድያ ክህሉ እንከሎ፣ ኣብ ኤርትራ ግና ብዘይካ’ተን ብመንግስቲ ዝውነና 12 ገጻት ጥራይ ዘለዋ ሓንቲ ጋዜጣ፣ ሬድዮ ቴሌቪዥንን ካልእ ናይ ብሕቲ ሜድያ ኣብ ውሽጢ ሃገር የለን።

ብዘይካ’ዚ’ውን ፕረዚደንት ኢሳይይሳ፣ ጋዜጠኛታት ብኣልማማ ብምእሳር ዝተፈልጠን፣ ን10ታት ከኣ ሃለዋቶም ኣብ ዘይፍለጥ ዘጥፍአን ዕሉል ጻላኢ ናጻ ፕረስ ምዃኑ ይንገረሉ።

==============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0