ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ሎሚ ሰኑይ 3 ግንቦት ብደረጃ ዓለም ይዝከር ኣሎ

Radio Erena: 03 May 2021

ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ሎሚ ሰኑይ 3 ግንቦት ብደረጃ ዓለም ይዝከር ኣሎ።

እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝዝከር ዘሎ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ዓለም፣ ህዝቢ ሓሳቡ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ተሓሪሙ ምህላዉ ኣጉሊሑ።

ኣብዛ ዕለት፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ቀዳሞት ጸላእቲ ፕረስ ምዃኑ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ዝወጽእ ዘሎ መግለጺታት የመልክት።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ቀዳሞት ጸላእቲ ናጻ ፕረስ ተባሂሎም ብሕማቕ ኣብነት ካብ ዝተጠቕሱ መራሕቲ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ግኑን ስም ሒዙ ቀሪቡ።

ኣብ ኤርትራ ካብ 2001 ኣትሒዞም በብእዋኑ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ጋዜጠኛ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ኣዳላውትን ከምኡ ድማ ጋዜጠኛታት ሚኒስትሪ ዜናን ሃለዋቶም ኣይፍለጥን።

ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝኾነ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ይኹን ካልእ ማዕከን ዜና ብዘይምህላዉን፣ ንሓያሎ ዓመታት ንዝተቐየዱ ጋዜጠኛታት ከኣ ናብ ፍርዲ ብዘይምቕራቦምን፣ ኤርትራ ነዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ብናጽነት ፕረስ ኣብ ድሕሪት ምስ ዝስራዓ ሃገራት ትርከብ።

ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብዘስፈሮ ጸብጻብ፣ ኤርትራ ብደረጃ ናጽነት ፕረስ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መወዳእታ’ዩ ሰሪዑዋ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Angeb 3 years ago

    ኣብ ኣፍሪቃ ብዝሒ ግዜተኛ ብዘይካ ሽግር ህዝቢ ምኑቃት መዓልታዊ ሞት ካልእ ዘምጽኦ ፋይዳ የለን
    ንሱኹም ሓንቲ መዓልቲ ጽብክት ናይ ሃገርና ኣምስእኩም ኣይትፈልጡን ኢኹም
    ብሓጺሩ መሳርሒ እምበር ኣብ ሓቂ ዝተሞርኮሰ ራአ የብልኩምን