መስራትን ዋና ኣሰናዳኢን ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ዝነበረት ሰቲት፣ ጋዜጠኛ ኣሮን ብርሃነ ዓሪፉ

Radio Erena: 03 May 2021

መስራትን ዋና ኣሰናዳኢን ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ዝነበረት፣ ጋዜጠኛ ኣሮን ብርሃነ ዓሪፉ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ 2001፣ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብምዕጻው፣ ኣብ ልዕሊ ኣዳላውተንን ጋዜጠኛታትን ድሕሪ ዝወሰዶ ናይ ምእሳር ስጉምቲ፣ ጋዜጠኛ ኣሮን ብርሃነ ናብ ስደት ኣምሪሑ፤ ኣብ ካናዳ ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ቃልሲ ንናጽነት ፕረስ ክሳተፍ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ‘መፍትሕ’ ዝተባህለት ናይ ኢንትተርነት መጽሔት’ውን የዳሉ ኔሩ።

ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ፣ ብቀዳማይ ዲግሪ ናይ ጆርናሊዝም ትምህርቱ ዝዛዘመ ኣሮን፣ ኣብ ካናዳውን ትምህርቱ ብምቕጻል፣ ኣብ ኣካዳሚን ማሕበራዊ ህይወትን ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝኽእል ምዃኑ ብቀረባ ዝፈልጥዎ ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን፣ መስራትን ዋና ኣሰናዳኢን ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ነበር፣ ቀስተ ደበና፣ ጋዜጠኛ ሚልኪያስ ምሕረትኣብ ከምዝዓረፈ ዝዝከር’ዩ።

ኣባላት ራድዮ ኤረና፣ ብሞት እዞም ክልተ ኣብነታውያን ጋዜጠኛታት ዝተሰምዓና ሓዘን እናገለጽና ንስድራቤት ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0