መሰል ሰራሕተኛታት ኣብ ዘይክበረላ ኤርትራ፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ተዘኪራ

Radio Erena: 03 May 2021

ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት፣ መሰል ሰራሕተኛታት ክሕሎ ብዝውጽዑ ሰለማዊ ሰልፍታትን ካልእ ንጥፈታትን፣ ብቀዳም 01 ግንቦት ብደረጃ ዓለም ተዘኪራ።

ኣብ መብዛሕትኡ ሃገራት፣ ምስ ስግኣት ለበዳ ኮረና ቫይረስ ብዝተተሓሓዝ ምትእክኻባት ተኸልኪሉ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ፈረንሳ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ግና፣ ሰራሕተኛታት መሰሎም ክሕሎ ዝጽውዕ ኣድማን ናዕብን ካብ ምክያድ ኣይዓገቶምን።

ብፍላይ ኣብዚ ናይ ኮረና ቫይረስ እዋን፣ ሰራሕተኛታት ንተወሳኺ ማሕበራዊ ሕሰም ይቃልዑ ከምዘለው’ዩ ኣብ ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ ናዕቢ ሰራሕተኛታት ኣዘኻኺሩ።

ብኣንጻር እዚ፣ መሰል ሰራሕተኛ ፈጺሙ ኣብ ዘይክበረላ ኤርትራ፣ መምርሒታት ምግታእ ኮረና ቫይረስ ብዝሓለወ መልክዕ’ዩ ተኻይዱ ዝተባህለ፣ ኣኼባታት ብምእንጋድ፣ ንኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ዘኪራ ውዒላ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ንሕግታት ዕዮን መሰል ሰራሕተኛታትን ዝጥሕስ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ፣ ንዓመታት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ኣህጉራዊ መዓልታት ሰራሕተኛታት ንስለ ጽምብል ተዘኪሩ ከምዝውዕል’ዩ ዝንገረሉ።።

ኣብ ኤርትራ እቲ ዝበዝሐ ዓያዩ ሓይሊ ሰብ፣ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ተጸሚዱ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቶም ወግዓዊ ደሞዝ ዘለዎም ሰራሕተኛታት መሰል ማሕበራዊ ድሕነት ከይረኸቡ ኣብ ስራሕ ከምዝጽመዱ ይግለጽ።

መሰል ሰራሕተኛታት ኣብ ዘይክበረላ ኤርትራ፣ እቲ ብደረጃ ዓለም ንሰራሕተኛታት ኣገደሲ መባእታዊ ናይ ማሕበራዊ ድሕነትን ዝኾነ መልዕሎ ወይ ጥሮታ’ውን የለን።

ኣብ እዋን መግዛእቲ’ውን ዝነበረ ሓደ ካብ ኣውራ መሰላ ሰራሕተኛታት ዝኾነ ጥሮታን ካልእ ናይ ማሕበራዊ ድሕነት ረብሓታታን፣ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋን እዚ ከም ኣርእስቲ’ውን ዝልዓል ኣይኮነን።

ዕድመ ዝደፍኡ ወይ ድማ ብሕማምን ካልእ ምኽንያታትን ስራሕ ከቛርጹ ዝግደዱ ዜጋታት፣ ዋላ’ውን ነዊሕ ዓመታት ዝሰርሑ እንተኾይኖም ብዘይዝኾነ ጥሮታን ካልእ ረብሓታት ማሕበራዊ ድሕነትን ስለዝፋነዉ፣ ኣብ ከቢድ ጸገም ክወድቑ ምርኣይ ንቡር’ዩ።

እቲ ነዚ መሰላት እዚ ክጣበቕ ዝግብኦ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ ወይ ሃኮሰአ ድማ፣ ከም ጥብቖ ትካል ህግደፍ፣ ንመጋበርያ ፖለቲካ ጥራይ እንተዘይኮኑ ንሰራሕተኛታት ዘርብሕ ዕዮ ከምዘይብሉ’ዩ ዝንቐፍ።

ስእሊ፣ካብ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0