ኢጣልያ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ 10 ጀላቡን ክልተ መራኽብን ንሊብያ ትህብ

ኢጣልያ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ 10 ጀላቡን ክልተ መራኽብን ንሊብያ ትህብ

Radio Erena: 08 August 2018

Libya boats

መንግስቲ ኢጣልያ፣ ብማእከላይ ባሕሪ ንዘጋጥም ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ፣ 10 ጀላቡን ክልተ መራኽን ንሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብሓገዝ ክህብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር (ኣንሳ) ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ እተን ጀላቡን መራኽብን ኣብ መወዳእታ ናይ ነሓሰ ናብ ሊብያ ክርከባ’የን።

ኢጣልያ፣ ኣብ ሓለዋ ገማግም ባሕርን ምድሓን ህይወት ስደተኛታትን ዝዋፈራ ጀላቡን መራኽብን ንሊብያ ትህብ ዘላ፣ ኣብታ ሃገር ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ንምስጋር ኣብ መዝርዓታት ተታሒዞም ከምዘለዉ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ኢጣልያ ዝርአ ዝነበረ ዋሕዚ ስደተኛታት ብዝተዓጻጸፈ ቁጽሪ ጎዲሉ እኳ እንተሎ፣ ኢጣልያ፣ ነቲ ዋሕዚ ናብ ዝተሓተ ደረጅኡ ንምውራድ፣ ስደተኛታት ዝጸዓና መራኽብ ናብ ገማግም ባሕሪ ከይጽግዓ ብተደጋጋሚ ክትእግደን’ያ ትርአ ዘላ።

መብዛሕቶም ካብቶም ካብ ሊብያ ተበጊሶም ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ኢጣልያ ዝሰግሩ ስደተኛታት ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ሶማልን’ዮም።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0