ኢጣልያ፣ ናይ ዑቕባ መሰሎም ንዝነጸገቶም ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምስጓጎም ትሕልን

ኢጣልያ፣ ናይ ዑቕባ መሰሎም ንዝነጸገቶም ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምስጓጎም ትሕልን

Radio Erena: 12 October 2018

Roma migrants

ኢጣልያ፣ ዘቕረብዎ ናይ ዑቕባ መሰል ንዝተነጽጉን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎምን ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያ ንምስጓግ መደብ ከምዘለዋ ተገሊጹ።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ጁሰፐ ኮንተ ኣብዘን ሃገራት ዑደት ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ ግዜ’ዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ ዛዚሙ ሎሚ 12 ጥቅምቲ ናብ ኤርትራ ክኣቱ’ዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ምስ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ልምዓታዊ ሓገዝን ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታትን ዘተኮረ ዝርርባት ከካይድ ምዃኑ ኣቐዲሙ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኢጣልያ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት ነናብ ዓዶም ንምስጓግ ዘኽእላ ሓድሽ ሕጊ ከምዘውጽአት ይዝከር።

እታ ሃገር ነዚ ሓድሽ ኣዋጅ ድሕሪ ምውጻእ’ያ፣ ቀዳማይ ሚኒስተራ ናብታ ዜጋታታ ብማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ብብዝሒ ናብ ኢጣልያ ዝስደዱ ዘለዉ ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ።

መራሒ መንግስቲ ኤውሮጳዊት ሃገር ናብ ኤርትራ ክበጽሕ ኣብዚ ልዕሊ 15 ዓመታት፣ እዚ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮንተ ዑደት ናይ ፈለማ’ዩ።

===================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0