ሶማል፣ ናይ ዝኾነት ሃገር ምትእትታው ከምዘይትደሊ ኣብ ስዑዲ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተራ ገሊጹ

ሶማል፣ ናይ ዝኾነት ሃገር ምትእትታው ከምዘይትደሊ ኣብ ስዑዲ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተራ ገሊጹ

Radio Erena: 12 October 2018

Somali PM in Saudia

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘካየድ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ዓሊ ኻይረ፣ ዝኾነት ሃገር ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገሩ ክትኣቱ ከምዘይትፈቅድ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓሊ ኻይረ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ምስ ንጉስ ሳልማን ዓብደልዓዚዝ ኣል ስዑድን ወራሲ ዓራት ወዱ መሓድ ቢን ሳልማንን ኣብ ዝገበሮም ርክባት፣ ኣብ ህልዉ ኩነታት ሶማልን እቲ ዞባን ተመያይጡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብ9 ጥቅምቲ ናብ ሪያድ ዘምርሐ፣ ምንግስቲ ሶማል ምስ ቀጠርን ቱርኪን ዘለዎ ጥቡቕ ዝምድና ከምዘይበትኽ ድሕሪ ምርግጋጹ’ዩ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ንሶማል እትልግሶ ሓገዝ ክትቕጽሎ እንተኾይና፣ መንግስቲ ሶማል ምስ ቀጠር ዘለዎ ዝምድና ክበትኽ’ያ ተገድዳ።

ብሰንኪ እዚ ድማ ዝምድና ሶማልን ስዑዲ ዓረብን ከም ናይ ቀደሙ የለን።

እንተኾነ ምስ ቀጠር ዘለዎ ዝምድና ከምዘይበትኽ ዝገለጸ መንግስቲ ሶማል፣ ነዚ መርገጺ’ዚ ቅድሚ እዚ ናይ ሽዑዲ መገሻ ደጊሙ ኣረጋጊጽዎ ኣሎ።

ኤርትራን ጅቡቲን ንመርገጺ ስዑዲ ብምድጋፍ ምስ ቀጠር ዝነበረን ዝምድና ምዝሕታለን ይፍለጥ።

ሶማልን ሱዳንን ከኣ ምስ ቀጠር ዝጸንሐን ዝምድና ከምዘይበትካ ብምርግጋጽ፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ተፈጢሩ ዘል ምስህሓብ ብሰለማዊ መንገዲ ክፍታሕ ከምዝደልያ ጠቒሰን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0