ኢጋድ፣ ኣባላት ሃገራት ኣንጻር ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንዝገብርኦ መኸተ ንምድጋፍ ንነፍሲ ወከፈን 100 ሽሕ ዶላር ኣወፍዩ

Radio Erena: 09 April 2020

ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ወይ በይነ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንምዕባለ፣ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንዝገብርኦ ዘለዋ ቃልሲ ንምድጋፍ፣ ነንፍሲ ወከፍ ኣባል ሃገር 100 ሽሕ ዶላር ወፊዩ።

እቲ ሸሞንተ ኣባላት ሃገራት ዝሓቖፈ ውድብ፣ ወከልቱ ዛጊት ናብ ኡጋንዳ፣ ኬንያንን ደቡብ ሱዳንን ብምብጻሕ ነቲ ሓገዝ ከረክቡ እንከለዉ፣ ናብተን ዝተረፋ’ውን ተመሳሳሊ ተልእኾ ክፍጽም ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ሓቢሮም።

እቲ ኢጋድ፣ ንኣባል ሃገራት ዝወፈዮ ሓገዝ፣ ብዙሕ እኳ እንተዘይኮነ፣ ኣብ መንጎ እተን ኣባላት ንዘሎ ሕድሕዳዊ ምድግጋፍ ንመኸተ እቲ ለበዳ ንምትብባዕ ዝዓለመ ተበግሶ ምዃኑ’ዮም ወከልቲ እቲ ዞባዊ ውድብ ዝገልጹ።

ሸውዓተ መራሕቲ ኢጋድ፣ ብ30 መጋቢት ኣብ ዘካየድዎ ንለበዳ ኮራና ቫይረስ ዝምልከት ዘተ ዘይተወከለት ኤርትራ፣ ካብዚ ዞባዊ ውድብ ሓገዝ ክትቕበል ምዃናን ዘይምዃናን ኣይተነጸረን።

ኣብቲ መራሕቲ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ሱዳን፣ ሶማል፣ ኡጋንዳ፣ ደቡብ ሱዳንን ኬንያንን ከምኡ ድማ ኣቦ መንበር ኢጋድ ዘካየድዎ ናይ ቪድዮ ዋዕላ፣ ነዚ ንዓለምና ገጢሙዋ ዘሎ ናይ ጥዕና ብድሆ፣ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ ብሓባር ዝምክታሉ ስትራቴጂ ንምዝታይ ዝዓለመ’ዩ።

ኣብዚ ንዞባና ኣገዳሲ ዝኾነ ዋዕላ ዘይተረኽበ እንኮ መራሒ፣ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ጥራይ’ዩ።

ኤርትራ ካብ 2007 ኣትሒዛ ኣባልነታ ካብ ኢጋድ ስሒባ እኳ እንተነበረት፣ ኣብ 2011 ክትምለስ ዘካየደቶ ፈተነ’ውን መሰናኽል ከምዝገጠሞ’ዩ ተገሊጹ።

ኢጋድ ኣብ ዘካይዶ ሓደ ሓደ ዋዕላታት ባንዴራ ኤርትራ ዝስቀል እኳ እንተኾነ፣ ንኤርትራ ዝውክል በዓል ስልጣን ግና ክሳተፍ ኣይርአን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0