ኢትዮጵያ፣ 40 ሽሕ ዜጋታታ ካብ ስዑዲ ንምውጻእ ትዳሎ

ኢትዮጵያ፣ 40 ሽሕ ዜጋታታ ካብ ስዑዲ ንምውጻእ ትዳሎ

Radio Erena: 30 May 2017

Saudi Ethioኢትዮጵያ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ዜጋታታ ካብ ስዑዲ ንምውጻእ 40 ሽሕ መውጽኢ ቪዛ ረኺባ ከምዘላ ማዕከን ዜና ኣፍሪካን ኒውስ ኣፍሊጡ።

እታ ሃገር፣ ቅድሚ’ቲ ስዑዲ ዓረብ ወጻእተኛታት ብግዴታ ንምጥራዝ መዲባቶ ዘላ ግዜ ምእካሉ፣ ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዝነብሩ ዜጋታታ ንምውጻእ እተሳልጥ ኮሚተ ልኢኻ ከምዘላ  ክግለጽ’ዩ ጸኒሑ።

ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ንምክትታል ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምብጻሕ ዝፈጸመ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ወርቅነህ ገበየሁ፣ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነቲ ዜጋታቶም ናይ ምምላስ መስርሕ  ብኸመይ ከሳልጦ ከምዝኽእል’ዩ ዘትዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝቕመጡ ዘለዉ ዜጋታቱ ቅድሚ’ዚ ናይ ግዜ ገደብ ምእካሉ ንምውጽኦም ክምዝገቡ ዘቕረቦ ጻውዒት ከምቲ ዝድለ ምላሽ ከምዘይረኸበ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዝግመቱ ዜጋታት ኢትዮጵያ ከምዘለው ጸብጻብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር የመልክት።

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዝነብሩ ኣስታት 5 ሚልዮን ወጻእተኛታት ንምስጓግ ምድላዋት የካይድ ኣሎ።

ቤት ምኽሪ ስዑዲ ዓረብ (ሹራ ካውንስል) ፣ ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ስዑዲ እናሰርሑ ዝነብሩ ዘለዉ ወጻእተኛታት ክጥረዙ ዝብል እማመ ድሕሪ ምቕራቡ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ብወለንትኦም ክወጹ ካብ 29 መጋቢት ክሳብ 29 ሰነ፣ ናይ 90 መዓልታት ዕድል ከምዝሃበት ይዝከር።

ኣብዚ ዝተጠቕሰ ግዜ ብወለንትኦም ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝወጹ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት፣ ኣብ ካልእ እዋን ብሕጋዊ መንገዲ ክኣትዉ ከምዝኽእሉን፣ ነዚ ናይ 90 መዓልታት ዕድል ዘይተጠቕምሉ ግና ተታሒዞም ናይ ኣጻብዕቲ ኣሰር ተወሲድሎም ብሓይሊ ምስ ዝስጎጉ፣ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝምለስሉ ዝኾነ ዕድል ከምዘይህልዎምን ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት የጠንቅቕ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ስዑዲ ዓረብ ብሕጋዊ መንገዲ ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት ንምውሳድ ዘኽእል ሓድሽ ስምምዕ ምስ ኢትዮጵያ ከምዝኸተመት ጋዜጣ ስዑዲ ሓቢራ።

ነቲ ስምምዕ ሚኒስተር ዕዮ ስዑዲ ዓረብ ዓሊ ኣል ጋፊን፣ ሚኒስተር ዕዮ ኢትዮጵያ ኣቶ ዓብዱል-ፈታሕ ዓብዱላህን’ዮም ብ29 ግንቦት ኣብ ሪያድ ከቲሞሞ።

         =======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0